ቱኒዝያ ናብ ዶብ ሊብያ ተደፊኦም ዝነበሩ ኣማኢት ስደተኛታት ትመልስ
Your browser doesn’t support HTML5
ካብ ሃገራት ትሕተ ሰሃራ ኣፍሪቃ ዝመጹ ካብ ቱኒዝያ ተደፊኦም ሰብ ኣብዘይብሉ ዶብ ሊብያ ብዘይ ዝኾነ መሰረታዊ ነገራት ንሓደ ሰሙን ዝጸንሑ ኣስታት 500 ስደተኛታት ናብ ቱኒዝያ ምምላሶም ኣሶሴይትድ ፕረስ ገሊጹ።
ኣብ ወደባዊት ከተማ ሳፌክስ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ዘጋጠመ ኣንጻር ስደተኛታት ዝቐንዓ ዓሌታዊ ውጥረት ስዒቡ እቶም ስደተኛታት ናብቲ ቦታ ከምዝተደፍኡ ተሓቢሩ’ሎ።