ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓለዋ ዶብ ሊብያ ኣብ ዶብ ቱኒዝያን ዝተሓድጉ ስደተኛታት ከምዘድሓነ ይገልጽ


ሓለዋ ዶብ ሊብያ ብሰበ-ስልጣን ቱኒዝያ ብዘይ-መግብን ማይን ኣብ ምድረበዳ ዶብ ቱኒዝያ ዝተሓደጉ ሓያለ ስደተኛታት ትማሊ ሰንበት 16 ሓምለ 2023 ምድሓኑ ገሊፁ።

ኣብ ከተማ ስፋክስ ቱኒዝያ ኣብ ዓሌት ትኹረት ዝገበረ ዘይምርግጋእ ድሕሪ ምፍጣሩ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ካብ ሃገራት ትሕቲ ሳሃራ ኣፍሪቃ ናብታ ሃገር ዝመጹ ስደተኛታት ብሓይሊ ተገዲዶም ናብቲ ምስ ሊብያን ኣልጀርያን ዘዳውብ ምድረ-በዳን ኣዝዩ ተፃባእን ከባቢታት ምውሳዶም ክግለጽ ጸኒሑ'ዩ።

ናብ ዶብ ሊብያን ቱኒዝያን ዝተጸግዐ ሓደ ጉጅለ ኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ ካብቲ ክሳብ 40 ዲግሪ ሴንትግረይድ ዝዓቐኑ ሙቐት ንምፅላል መፅለሊ ዝሰርሑን ዝሰልከዩን ብፅምኢ ዝነደዱን ኣብ ሑፃ ኮፍ ዝበሉ ስደተኛታት ምርኣዩ ገሊፁ’ሎ።

ቑፅሪ’ቶም ስደተኛታት በብመዓልቱ ከምዝውስኽ’ዉን ሓደ ካብ ሓለውቲ’ቲ ዶብ ዝኾነ መሓመድ ኣቡ ስናህ ንኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ ሓቢሩ። ንሱ ወሲኹ ካብ 50-70 ዝኾኑ ስደተኛታት ከምዘድሓኑን መባእታዊ ሕክምና ከም ከምዝተዋህቦም'ውን ገሊጹ።

ኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ ኣብቲ ማእኸል መቀበሊ ደቂኣንስትዮን ቆልዑን ኣብ ፍርናሽ ተጋዲሞም ምርኣዩ ሓቢሩ’ሎ።

ኣብ ቱኒዝያ 7-ዓመታት ከም ዝገበረ ዝገልጽ ሓደ ካብቶም ስደተኛታት ዝኾነ ወዲ ኣይቨሪኮስት ኣቡ ኮኒ ንሱን በዓልቲቤቱን ካብ ጎደናታት ተገፊፎም ከም ዝተወስዱን ፖሊስ ቱኒዝያ ናብ ሊብያ ከም ዝደርበይዎምን ኣብ ቱኒዝያ ከምዘይድለዩ ከምዝሓበርዎም ይገልጽ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG