ሕጹይ ፕረዝደንታዊ ምርጫ ኡጋንዳ ኪዘይ በዚጀይ ካብ ማእሰርቲ ምፍትሖም ተገሊጹ

ሕጹይ ተወዳዳሪ ኪዘይ በዚጀይ ምስ ደገፍቶም

ኣብ ኡጋንዳ ንዝካየድ ፕረዝደንታዊን ፓርላሜንታዊን ምርጫ ሕጹያት ሎሚ ሶሉስ ናይ መወዳእታ ወፍሪን ጎስጓስ ከካይዱ ውዒሎም ኣለው።

ኡጋንዳዊያን መረጽቲ ሓሙስ አብ ዘካይድዎ ምርጫ: ንፕረዝደንት ይወሪ ሙሰቨኒ ንሓሙሻይ ጊዜ ነታ ሃገር ፕረዝደንት ኮይኑ ክመርሕ ወይ’ውን ካብ 1986 ዓ.ም.ፈ ንመጀመርያ ጊዜ ሓድሽ መራሒ ካብ ደንበ ተቓወምቲ ክመርጹ ክውስኑ’ዮም።

ፕረዝደንት ዩወሪ ሙሰቨኒ ድሕሪ ብዕልዋ ስልጣን ምሓዞም አብ ምርጫ 2006ን 2011 ዓ.ም.ፈ ብተከታታሊ ተዓዊቶም ነታ ሃገር ክመርሑ ዝጸንሑ ክኾኑ ከለው ተቃወምቲ ግን አብዘን ዝሓለፋ ምርጫታት ምጥፍፋእ ድምጺን ምርፍራሕ ከምዝነበረ ይከሱ።

ትማሊ ሶሉስ መራሒ ተቃወምትን ሕጹይ ተወዳዳራይ ኪዘይ በሲጀይ ብፖሊስ’ታ ሃገር አብ ትሕቲ ቁጽጽር ከምዝወዓሉን ካብ ርእሰ ከተማ’ታ ሃገር ካምፓላ ወጻኢ ናብ ዝኾነ አከባቢ’ውን ከምተወሰዱ ተገሊጹ ኔሩ እንተኮነ ግን አብዚ ሕጂ እዋን እቶም መራሒ ተቃዋመቲ ነጻ ከምተለቐቑ ክፍለጥ ተካኢሉ’ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

Your browser doesn’t support HTML5

ህጹይ ፕረዝደንታዊ ምርጫ ኡጋንዳ ኪዘ በዚጋይ ካብ ማእሰርቲ ምፍትሖም ተገሊጹ

ሰልፊ ተቃውሞ ደገፍቲ ፓርቲ ለውጢ ንዲሞክራሲ ፎረም ኣብ እዋን ፕረዝደንታዊ ምርጫ ኡጋንዳ-ካምፓላ