ኣብ ምብራቓዊ ሊብያ ኣብ ትርከብ ከተማ ደርና ዘጋጠመ ሓደጋ ምዕልቕላቕ ውሕጅ ዝሞቱ፡ ቁጽሮም ናብ ልዕሊ 5-ሺሕ ክብ ከምዝበለ ሰበ-ስልጣን ጥዕና`ቲ ከባቢ ይገልጹ`ለዉ። ካልኦት ኣስታት 10-ሺሕ ዝኾኑ ሰባት ገና ኣብ ዝኣተውዎ ኣብ ዘይተፈልጠሉ እዋን፡ ሰራሕተኛታት ህይወት ኣድሕን፡ ብህይወት ንዝተረፉ ምድላይን ሬሳታት ምእካቦምን ቀጺሎም ኣለዉ።
ብሰንበት 10 መስከረም ዝወቕዐ ዝናብ ነታ ኣብ ገምገም ባሕሪ ትርከብ ከተማ ደርና ድሕሪ ምዕልቕላቑ፡ ኣብ ጥቕኡ ዝነበረ ሓጽቢ`ውን ፈሪሱ ኣብ ህይወት ሰብ ቅዝፈት ኣውሪዱ።ብመሰረት ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት(ኣይ.ኦ.ኤም) 2-ሺሕ ሬሳ ተኣኪቡ`ሎ፡ እቲ ቁጽሪ ምውታት ግን ልዕሊ 5-ሺሕ ምዃኑ ይግመት። ኣስታት 10- ሺሕ ካልኦት ገና ሃለዋቶም ዘይተፈልጠ ኣለው። ቁጽሪ ብዘይ መዕቆቢ ዝተረፉ ድማ ብውሕዱ 30-ሺሕ ሰባት ይግመት።
ሊብያ ብሰንኪ ንዓመታት ዝጸንሓ ግጭትን ቅልውላውን ፡ ትሕተ ቅርጺ`ታ ሃገር ቁሊሕ ዝብሎ ስኢኑ፡ ንተፈጥሮኣዊ ሓደጋታት ንምምካት ዘሎ ዓቕሚታት ተዳኺሙ`ዩ ጸኒሑ። ከም ሳዕቤኑ ድማ ኣብ ጥቓ `ታ ከተማ ዝነበረ ሓጽቢ ፈሪሱ፡በታ ከተማ ሓሊፉ ናብ ባሕሪ ዝፈስስ ዋዲ-ደርና ዝተባህለ ፈለግ ነታ ከተማ ደምሲስዋ ሓሊፉ። ህንጻታትን ድልድላትን ስለዝፈረሰ ንምትሕላላፍ ሰብኣዊ ድሕነት`ውን ኣጸጋሚ ጌርዎ`ሎ።
ኣብ ሊብያ ሓላፊ ኣህጉራዊ ኮሚቴ ቀይሕ መስቀል ያን ፍሪደዝ፡ “ ከተማ ደርና 7-ሜትሮ ብዝንውሓቱ ማዕበል ተዋሒጣ`ያ፡ ኩሉ ኣብ ቅድሚኡ ዝጸንሐ`ውን ተደምሲሱ`ዩ" ይብል።
ወተሃደራትን ሰራሕተኛታት መንግስትን ፡ ከምኡ`ውን፡ ወለንተኛታትን ነበርቲ ከባብን ፡ዝሞቱን ብህይወት ዝተረፉን ምንዳዮም ቀጺሎም ኣለዉ። ገለ ስድራቤታት ከምዘለወን ምጥፍአን ይግለጽ። ሓደ ንተለቪዥን`ቲ ከባቢ ዝዛረብ ዝነበረ ነባሪ፡ 11 ኣባላት ስድራቤቱ ከም ዝሰኣነ ብኣውያት ይገልጽ። ኣሕመድ ዓብደላ ዝብሃል ኣብ ስራሕ ህይወት ኣድሕን ተዋፊሩ ዝነበረ ነባሪ'ቲ ከባቢ፡ ዘዝረኽብዎ ሬሳታት ብጅምላ ንክቕበር ኣብ ኣፍደገ ሆስፒታል ጥራይ ገዲፎም ከም ዝምለሱ ይገልጽ።
ረድኤት ብቤንቓዚ`ዩ ክኣቱ ጀሚሩ'ሎ። `ደርና` ካብ ቤንቓዚ 250 ኪ.ሜ ርሒቓ ኣብ ምብራቓዊ ወሰን ባሕሪ ትርከብ ከተማ`ያ። ጎረባብቲ ሊብያ ዝኾና ግብጺ፡ኣልጀርያ፡ቱኒዝያ ከምኡ`ውን ቱርኪን ኢማራት ዓረብን ሰራሕተኛታት ረድኤትን ሰብኣዊ ሓገዝን ሰዲደን ኣለዋ። ፕረዚደንት ባይደን`ውን ኣመሪካ ናብ ትካላት ረድኤት ገንዘብ ትሰድድ ከም ዘላን፡ ተወሳኺ ሓገዝ ንምግባር ምስ ሰበ-ስልጣን ሊብያን ሕቡራት ሃገራትን ኣብ ምውህሃድ ከም ትርከብን ኣፍሊጡ`ሎ።
ብጻዕዳ ህንጻታታን ተኽልታት ስየን ትፍለጥ ከተማ ደርና፡ ካብ ርእሰ-ከተማ ትሪፖሊ ንምብራቕ ኣብ 900 ኪ.ሜ ርሒቓ ትርከብ። ምስቲ ኣብ ምብራቕ ሊብያ ዝደኮነ መንግስቲ ዝወገኑ ብሓይልታት ጀነራል ኻሊፋ ኢፍጠር`ያ ዝቆጻጸርዎ ክኾኑ ከለው ኣብ ትሪፖሊ ድማ ምስ ካልኦት ዕጡቓት ጉጅለታት ብሽርክነት ዝሰርሕ ካልእ መንግስቲ ኣሎ።
ደርና፡ ዝበዝሐ ክፋላ ኣብ ግዜ ባዕዳዊ መግዛእቲ ጣልያን ዝተሃንጸ`ዩ፡ ኣብ 2011 ብኔቶ ዝድገፍ ናዕቢ ንመዓመር ቓዛፊ ቅድሚ ምዕላው ኣብ ዝነበረ እዋን ድማ፡ ደርና ቀንዲ መናሃርያ ጽንፋውያን ዕጡቓት ኔራ።