ኣብ ሊብያ ብዘጋጠመ ምዕልቕላቕ ውሕጅ ኣብ ሓንቲ ከተማ 700 ሰባት ምሟቶምን ካልኦት10- ሽሕ ድማ ሃለዋቶም ከምዘይተፈለጠ ኣገልግሎት ዜና ኣሶሴይትድ ፕረስ ፀብፂቡ።
ኣብ ከተማ ደርና ብዘጋጠመ ምዕልቕላቕ ውሕጅ 700 ሰባት ሞይቶም ካልኦት 10-ሽሕ ሃለዋቶም ከምዘይተፈልጠ ይግለጽ ኣሎ። ጉጅለታት ህይወት ኣድሕን በቲ ውሑጅ ዝተቐበሩ ተወሳኺ ሬሳታት ንምርካብ ብዙሕ ጻዕሪ ይገብሩ ከምዘለው ሰበስልጣን'ታ ሃገር ትማሊ ሰሉስ ገሊፆም።
'ዳንኤል' ተባሂሉ ዝተፀውዐ ካብ ማእከላይ ባሕሪ ዝተበገሰ ህቦቡላ ኣብ ብርክት ዝበላ ከተማታት ምብራቓዊ ሊቢያ ዕንወትን ምዕልቕላቕ ውሕጅን ዘውረደ ክኸውን ከሎ እቲ ከቢድ ዕንወት ግን ኣብ ከተማ ደርና እዩ ኣጋጢሙ። ኣብ ደርና ከቢድ ዝናብን ውሕጅን ንቢንቶታት ብምዕናው ኣዕለቕሊቑ ከምዝወሰደ ሰበስልጣን ገሊፆም።
ኣብ ምብራቓዊ ሊቢያ ተፀዋዒ ሚንስትሪ ጥዕና ኦትማን ዓብዱልጃሊል "እቲ ኩነታት ኣዚዩ ሓደገኛ እዩ። ኣብ ብዙሓት ክፋላት እታ ከተማ ብዙሓት ሬሳታት ወዲቖም ኣለው። ሆስፒታላት ብሬሳታት መሊኡ። ዘይበፃሕናዮም ከባቢታት እውን ኣለው’’ ኢሉ።
ኣብ ከተማ ደርና ጥራሕ ክሳብ 2,000 ሰባት ሞይቶም ክኾኑ ከምዝኽእሉ ሰበስልጣን ይግምቱ። ነቲ ናይ ምድላይን ምድሓንን ፃዕርታት ዝመርሕ ዘሎ በዓል ስልጣን ኣምቡላንስን ህፁፅ ሓገዝን እቲ ኣሃዝ ከየነፀረ ኣብ ደርና ኣስታት 2,300 ሰባት ምሟቶም ገሊፁ ኣሎ።
ወታሃደራት ፣ሰራሕተኛታት መንግስቲ ፣ወለኝተኛታትን ነበርትን ሓዊሱ ዝተቐበሩ ሬሳታት ንምውፃእ ንዝፈራረሱ ህንፃታት ይኹዕቱ ነይሮም።
ኣብ ሊቢያ ልኡኽ ዓለምለኸ ፌደረሽን ቀይሕ መስቀል ታመር ራማዳን ድሕሪ እቲ ከቢድ ውሕጅ 10,000 ሰባት ሃለዋቶም ኣይተረኸበን ኢሉ።
ኣብ ሞሮኮ ብዓርቢ ዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ መሬት ብምጥቓስ ራማዳን ኣብ ሊቢያ ዘሎ ኩነታት ምስቲ ናይ ሞሮኮ ዝመሳሰል እዩ ኢሉ።
ቀዳማይ ሚንስተር መንግስቲ ምብራቓዊ ሊቢያ ዖስማን ሓማድ እቶም ዝጠፍኡ ሰባት ናብ ክልተ ሓፅብታት ተወሲዶም ክኾኑ ይኽእሉ እዮም ፤ እዚ ኣብ ደርና ዝወረደ ጥፍኣት ካብ ናይታ ሃገር ዓቕሚ ንላዕሊ እዩ ኢሎም።
"ደርና ናይ ዕንወት ዞባ ብዝብል ተኣዊጁ ኣሎ። ብዙሓት ሬሳታት ኣብ ትሕቲ ፍርስራስ እታ ከተማ ይርከቡ ወይ ድማ ናብ ባሕሪ ተወሲዶም" ክብል ዓብዱልጃሊል ይሕብር።
ግብፂ ፣ቱኒዚያ ፣ኣልጀሪያ ፣፤ቱርኪን ሕቡራት ዓረብ ኢማራትንን ሰብኣዊ ሓገዝን ንፃዕርታት ህይወት ኣድሕን ዝሕግዙ ጉጅለታትን ንምልኣኽ ቃል ኣትየን ኣለዋ።
ቅጥዒ