ዋሽንግተን —
ሰብ-መዚ ደቡብ ደቡብ ኮርያ ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ዝወደቐትን 179 ሰባት ዝሞቱላ ነፋሪትን ጠንቂ ንምፍላጥ ኣብቲ መገዲ ኣየር’ታ ሃገር ኣብ ዘለዋ ቦይንግ 700-800 መርመራ ከምዘካይዱ ኣፍሊጦም።
ብተወሳኺ ኣብ መሳርሒ ሲስተም ነፈርቲ’ታ ሃገር ህጹጽ ገምጋም ክካየድ’ውን ኣዚዞም ኣለው።ንብረት መንገዲ ኣየር ጀጁ ዝዀነት ነፋሪት ኣብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ሙና ናይ ደቡባዊ ክፋል ደቡብ ኮርያ ውዲቓ ድሕሪ ምሕምሻሻ ብዘይካ ክልተ ኣባላት በረራ ኣብኣ ዝነበሩ 179 ሰባት ሞማቶም ትማሊ ሰንበት ተገሊጹ’ዩ።
ብተወሳኺ ድሕሪ ምክሳስ ግዜያዊ ፕረዚደንት ሃን ዱክ ሶ መሪሕነት’ታ ሃገር ነዚ ዝኸፈኣ ምዃኑ ዝተገለጸ ሓደጋ ብኸመይ ክሕዞ’ዩ ዝብል’ውን ንብዙሓት ኣሻቂሉ’ሎ።
ግዝያዊ መሪሕነት ሒዙ ዘሎ ኮ ሶንግ ሞክ ሓይሊ ዕማም ብምምስራት ጠንቂ ምውዳቕ’ታ ነፋሪት ክጻረን ሰብ-መዚ ኣብ መሳርሒ ሲስተር ነፈርቲ’ታ ሃገር ህጹጽ ገምጋም ከካይዱ ኣዚዙ’ሎ።