ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ደቡብ ኮርያ -- 181 ሰባት ዝሓዘት ነፋሪት ተሓምሺሻ፡ 2 ኣባላት በረራ ጥራይ ድሒኖም


ካብ ባንጎክ ታይላንድ ዝነቐለት፡ ብድምሩ 181 ሰባት ዝሓዘት ንብረት መንገዲ ኣየር ጀጁ ዝዀነት ነፋሪት ኣብ ኣህጉራዊ ማዕርፎ ነፈርቲ ሙና ናይ ደቡባዊ ክፋል ደቡብ ኮርያ ውዲቓ ድሕሪ ምሕሻሻ ብዘይካ ክልተ ኣባላት በረራ ኣብኣ ዝነበሩ 179 ሰባት ምማቶም ሮይተርስ ኣስፊሩ።

እዚ ሰንበት ንግሆ ዘጋጠመ፡ ፍጻመ ደቡብ ኮርያ፡ ኣብ ታሪኽ እታ ሃገር ኣብ ዝሓለፉ 30 ዓመታት ዝኸፍአ ሓደጋ ነፋሪት ኮይኑ ተመዝጊቡ ኣሎ። እታ ስራሓት ቦዪንግ ዝዀነት፡ መብዛትኦም ካብ ዕረፍቲ ዝምለሱ ዝነበረኡ ደቡብ ኮርያውያን ጽዒና ዝነበረት ነፋሪት፡ ክትዓልብ ኣብ እትቀራረበሉ ዝነበረት እዋን’ያ፡ ምስ መሬት ተላቲማ፡ ብሓዊ ክትቃጸል ጀሚራ።

ዛጊት ምኽንያት ናይቲ ሓደጋ ኣይተፈልጠን። ንኸምኡ ዝመስል ሓደጋ ዝደፍአ ኣዝዩ ብዙሕ ሕቶታት ግን ኣብ ምጽራይ ከም ዘሎ ሚኒስተር መጓዓዝያ እታ ሃገር ገሊጹ። ነቲ ናይ ምጽራይ መስርሕ ክኢላታት ደቡብ ኮርያ ክመርሑዎ ክምዘዙ እንከለዉ፡ እታ ነፋሪት ግን ኣብ ኣመሪካ ዝተሰርሐት ውጽኢት ኣፋራዪ ነፈርቲ ቦዪንግ ስለ ዝኾነት ኣብቲ ናይ ምጽራይ መስርሕ ካብ ኣቭያሽን ኣመሪካ’ውን ክሕወሱ ምዃኖም ዜና ሮይተርስ ይጠቅስ።

ኣብ ደቡብ ኮርያ ኣብ 1997 ብዘጋጠመ ሓደጋ ነፋሪት 200 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፡ ንብረት መንገዲ ኣየር ቻይና ዝዀነት ነፋሪት’ውን ኣብ 2002፡ ኣብ መሬት ደቡብ ኮርያ ሓደጋ ምስ ኣጋጠማ 129 ሰባት ምማቶም ይዝከር።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG