ኬሪ - ብዛዕባ መፍትሒ ማእከላይ ምብራቕ

ተሰናባቲ ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ጆን ኬሪ ንጎንጺ እስራኤልን ፍልስጤማዊያንን ዘላቂ ፍታሕ’ዩ ዝበልዎ ራኢኦም ገሊጾም።

ኣብቲ ትማሊ ንሓደ ሰዓት ዝኸውን ዝሃብዎ መደረ እተን ክልተ መንግስታት ጎኒ ጎኒ ክነብራ ዝግበር ፍታሕ ኣብ ከቢድ ጸገም ኣትዩ’ሎ። እዚ ኸአ ንእስራኤል ዘርብሕ ኣይኾነን ክብሉ’ውን ኣጠንቒቖም።

ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንጃሚን ኔታንያሁ ግን ንፍልስጤማዊያን ዝድግፍ'ዩ ብምባል ንመደረ ኬሪ ኣትሪሮም ነቒፎም ኣለው።

ምሩጽ ፕረዝደንት ዶናልድ ትራምፕ ንእስራኤል ጽኑዕ ደገፍ ንምሃብ ቃል ኣትዮም ኣለው።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

Your browser doesn’t support HTML5

ኬሪ - ብዛዕባ መፍትሒ ማእከላይ ምብራቕ