ከተማ ኣስመራ ኣብ ታሪኻዊ መዝገብ ጥንታዊ ስነ ቅርጻ ውርሻታት ዓለም ሰፊራ

Your browser doesn’t support HTML5

ኮሚተ ዓለምለኸ ውርሻ ዓርቢ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሰለስተ ሃገራት ኤርትራ ኣንጎላን ደቡብ ኣፍሪቃን ኣብ ዝርዝር ውርሻ ዓለም ኣእትዩ ኣሎ። ኤርትራን ኣንጎላን ንመጀመርያ ጊዜ ኣብቲ ዝርዝር ምእታወን’ውን ተፈሊጡ’ሎ። ኣብ 2000 ሜትሮ ብራኸ ልዕሊ ጽፍሒ ባሕሪ ትርከብ ዋና ከተማ ኤርትራ ዝኾነት ከተማ ኣስመራ: ኣብ 1890 ዓ.ም ድሕሪ ምትእትታው መግዛእቲ ጣልያን ናብቲ ቦታ ክትምዕብል ዝጀመረት ኮይና: ዝበዝሑ ህንጻታት ድማ ድሕሪ 1935 ዓ.ም ዝተሃንጹ እዮም።