ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ነበርቲ ኣስመራ፡ ከተምኦም ኣካል ዓለማዊ ውርሻ ብዛዕባ ምዃና እንታይ ይብሉ? ኣብ`ታ ዕለት እወጃ ካብ ዝተረኽቡ ሓደ ኣቶ ያሬድ ተስፋይ`ከ?


አስመራ ናብ ዓለማዊ መዝገብ ውርሻ ምእታዋ ሓላፍነት ዘስከም’ዩ ክብሉ ገለ ነበርቲ ኣስመራ ተዛሪቦም።

ኣብ ኣስመራ ዝርከብ ኤምባሲ ኣሜሪካ ፈጻሚት ጉዳይ ነታሊ ብራውን ኣብቲ ናይ ኤምባሲ ማህበራዊ መራኸቢ ብዙሃን (ፌስብክ) ኣብ ዘመሓላለፈኦ መልእኽቲ ንከተማ አስመራን ነበርታን እንኳዕ ሓጎሰኩም ድሕሪ ምባል ነዚ ንሕና ነበርታ መዓልታዊ ንምስክሮ ዘለና ፍሉይ ጽባቐ ኣስመራ ካልኦት’ውን ንክርእይዎን፡ ኣብ መዳይ ቱሪዝም ክድንፍዕን እዚ ኣፍልጦ ሓጋዚ ኽከውን ተስፋ እገብር ኢለን።

ያሬድ ተስፋይ ካብ ለንደን ኤምባሲ ኤርትራ ሓላፊ ዜናን ሓበሬታን’ዩ፡ ኣብቲ ኣብ ፖላንድ ዝተኻየደ አኼባ ዩኔስኮ አካል’ቲ ልኡኻን ኤርትራ’ዩ ኔሩ።

ብዛዕባ’ቲ ጉጅለ ልኡካትን ዝነበረ ኩነታትን ርእይትኡ ንድምጺ ኣሜሪካ ሂቡ’ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ኣስመራ፡ ኣካል ዓለማዊ ውርሻ ኮይና ወግዓዊ ኣፍልጦ ረኺባ
please wait

No media source currently available

0:00 0:19:12 0:00

XS
SM
MD
LG