ዋሽንግተን —
ምዕራባዊያን ንዘቅረብዎ ጠለብ ክሳብ ዘየማልኡ፣ ዩክሬን ስርናይ ብጸሊም ባሕሪ ኣቢላ ንክትልእኽ ዘፍቕድ ውዕል ሰደድ እኽሊ ከምዘየሕደስ ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑትን ኣፍሊጦም።
ዩክሬንን ምዕራባዊያንን ግና፣ ንተበግሶ ሩስያ ንረብሓኣ ክትብል ተቕርቦ ዘላ ቅድመ ኩነታት ክብሉ ንጠለብ ሩስያ ነጺጎምዎ።
ፑትን ዝሃብዎ ርእይቶ፣ ንሶም ምስ ፕረዚደንት ቱርኪ ኤርዶዋን ትማሊ ሰኑይ 4 መስከረም 2023 ዘካየድዎ ልዝብ፣ ነቲ ውዕል ሰደድ እኽሊ ንክቕጽል ክሕግዝ’ዩ ንዝብል ተስፋ ኣጸልሚቱዎ ኣሎ።
ሩስያ ዝሓለፈ ሓምለ ነቲ ንቀረብ እኽሊ ናብ መላእ ዓለም ዘቀላጥፍ ውዕል ኣየናወሖን እየ ከምዝበለት ዝዝከር እዩ።
እዚ ከምዚሉ ከሎ፣ ሰራዊት ሩስያ ምስ ሰሜን ኮርያ ርክብ ንምሕያል ዘኽእል ስጉምቲ ከምዝወሰደ ዝመጸ ዜና ሓቢሩ። ሚንስተር ምክልኻል ሩስያ ሰርገይ ሾይጉ፣ ትማሊ ሰኑይ ክዛረቡ ከለው ክልቲኣን ሃገራት፣ ሓባራዊ ወትሃደራዊ ታዕሊም ከካይዳ ከምዝኽእላ ኣሚቶም እዮም።