ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረዚደንታት ቱርኪን ሩስያን ተራኺቦም፡ ተዘራሪቦም


ፕረዚደንት ቱርኪ ጠይፕ ረጂብ ኤርደዋን ናብ ከተማ ሶቺ ሩስያ ብምኻድ ምስ ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑትን ተራኺቡ፡ ተዘራሪቡ። ዕላማ ርክቡ፡ ዩክሬን ብጸሊም ባሕሪ እኽልን ካልእ ሃለኽቲ ነገራትን ከተመሓላልፍ ሩስያ ንኽተፍቅድ ንምእማና`ዩ።

ፕረዚደንት ፑትን ኣብ እዋን ርክቦም ክዛረብ ከሎ፡ ኣብ መንጎ ሩስያን ቱርክን ዘሎ ምሕዝነት በቲ ዝጀመሮ ስጉምቲ ይቕጽል ኣሎ ኢሉ።ዝሓለፈ ዓመት ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝግበር ንግዲ ብ80% ከም ዝዓበየ`ውን ጠቒሱ: ብዛዕባ ምቕጻል ስምምዕ ሰደድ ጸሊም ባሕሪ ግን ዝተባህለ ነገር ኣሎ እንተኾይኑ ኣሶሴይትድ ፕረስ ኣይጠቐሰን።

ዩክሬን ብጸሊም ባሕሪ እኽሊ ከተሕልፍ ብቱርክን ሕቡራት ሃገራትን ተሸምጊሉ ዝነበረ ስምምዕ ንከይናዋሕ፡ ዝሓለፈ ሓምለ ሩስያ ምእባያ ይፍለጥ`ዩ። ሩስያ ዘቕረበቶ ምኽንያት፡ ሩስያ`ውን ብእኡ መጠን መግብን ዘመናዊ ድኹዕን ንከይትሰድድ ዘሎ ዕንቅፋት ክእለየላ ዝተኣተወላ ውዕል ኣይተኸብረን ብምባል`ዩ።

እቲ ኣብ ጸሊም ባሕሪ ኣብ ትርከብ ከተማ ሶሺ ዝተኻየደ ኣኼባ መራሕቲ ሩስያን ቱርክን፡ ኣብ መንጎ ዩክሬንን ሩስያን ዝካየድ ኲናት ናብ ክልተ ዓመት ኣብ ዝጽግዓሉ ዘሎ እዋን`ዩ፡-

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG