ልኡኽ ሚኒስትሪ ምክልኻል ሱዳን ዝዀነ ኣምባሳድር ዳፍላ ኣልሓጅ፡ መልእኽቲ ጀነራል ዓብዱልፈታሕ ኣልቡርሃንን ንምብጻሕን ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ንምዝታይን ሎሚ ዓርቢ ኣስመራ ምእታዉ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ኣብ ናይ ትዊተር ገጹ ኣመልኪቱ።
ወኪል ጀነራል ኣል-ቡርሃን ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ኢትዮጵያን ግብጺን’ውን ኣቐዲሙ ዝበጽሐ ኰይኑ፡ ኣብዚ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ዝገበሮ ርክብ፡ ንዘላቒ ሰላምን ብውድብ ኢጋድ ዝምእከል ርክብን ከም ዝተዛራረቡ መልእኽቲ ትዊተር ኣቶ የማነ ጠቒሱ ኣሎ።
President Isaias Afwerki received today Amb. Dafallah Alhaj who delivered message from General Abdel-Fattah al-Burhan, President of Sovereign Council. Subsequent discussions focused on ways/means of extricating Sudan from current situation & role of neighbouring countries & IGAD pic.twitter.com/DUUXJiDZFK
— Yemane G. Meskel (@hawelti) May 12, 2023
ኣቶ የማነ፡ ኣብ መልእኽቱ፡ ፕረዚደንት ኢሳያስ፡ ነቲ ልኡኽ፡ ኤርትራ ንሰራዊት ህጹጽ ወሃብ ደጋፍ ትድግፍ’ያ ዝብል ዝተዘርግሐ ዜና’ውን ቅኑዕ ዘይምዃኑ ነቲ ልኡኽ ገሊጹ ኣሎ።
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ቀረባ ግዜ ምስ ማዕከናት ዜና ውሽጢ ሃገር ኣብ ዝግበሮ ርክብ፡ ብጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣል-ቡርሃን ንዝምራሕ ሰራዊት ምክልኻል ዘለዎም ድጋፍን እቲ እንኮ መሰጋገሪ ንሱ ምዃኑን ከም ዝኣምኑ ምግላጹ ይዝከር።