No media source currently available
መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ጉዳይ ከይዲ ሱዳን ምስ ኣቦ ወንበር ልኡላዊ ባይቶ ሱዳን ጀነራል ኣልቡርሃን ከም እትሰርሕ ፕ/ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ምስ ማዕከናት ዜና ውሽጢ ሃገር ኣብ ዝገበሮ ቃለ-ምልልስ ገሊጹ። ኣብቲ ትማሊ ሰኑይ ዝገበሮ ቃለ-መሕተት፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ንጉዳይ ስደተኛታት ሱዳን፡ ምንጻል ደቡብ ሱዳንን ካልእ ጉዳያትን’ውን ጠቒሱ ነይሩ።