ዋሽንግተን —
ኣብ መንጎ ገፈፍቲ ዓሳ ጎረባብቲ ህዝብታት ኬንያን ኢትዮጵያን ድሕሪ ዘጋጠመ ጎነጽ፡ ኣስታት 10-ሽሕ ዝበጽሑ ነበርቲ ኣርባዕተ ቀበሌታት ወረዳታት ዳሰንች መንበሪታቶም ገዲፎም ከም ዝሃደሙ ኣማሓዳሪ እቲ ከባቢን ድምጺ ኣመሪካ ዘዘራረቦም ካብ መንጎ’ቶም ዝሃደሙን ገሊጾም። እቶም ሕነ ከይፍደዮም ዝሃደሙ ነበርቲ፡ ድሕሪ’ቲ ቀዳም ዘጋጠመ ጎንጺ፡ ካብ ክልቲኡ ወገናት ደሃዮም ዘይተረኽበ ሰባት ኣብ ዘለወሉ እዋን’ዩ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ዛጊት 20 ካብ ደሃዮም ዘይተረኽበ ዜጋታታ ኬንያ፡ ኣብቲ ከባቢ ዝግበር ኣለሻ ኣጽዒቓ፡ ኣብ ዶባት’ውን ተወሰኽቲ ወታሃደራት ኣስፊራ ኣላ። ብወገን ኢትዮጵያ’ውን ኣስታት ሓደ ደርዘን ዝበጽሑ ዜጋታት ገና ደሃዮም የሎን።
ድሕሪ’ቲ ግጭት 15 ጀላቡ ምስዋረን ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ኬንያ ዝገለጸ ኰይኑ፡ ንምርካቦም ኣብ ዝግበር መስርሕ ምስ ሰብ-መዚ ኢትዮጵያ ተሓባቢሮም ይሰርሑ ምህላዎም ንኣገልግሎት ዜና ኣሶሸይትድ ፕረስ ሓቢሩ።
ካብ ኢትዮጵያን ኬንያን ዝዀኑ ገፈፍቲ ዓሳ ብቐዳም ኣብ ፈለግ ኦሞ ድሕሪ ዝገበሩዎ ግጭት፡ ገለ ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፡ ካብ ክልተኡ ወገናት ከኣ ገና ደሃዮም ዘይተረኽበ ኣለዉ።