ዋሽንግተን —
ኣብ ዶብ ኬንያን ኢትዮጵያን ኣብ መንጎ ገፈፍቲ ዓሳ ዜጋታት ክልቲኡ ሃገራት ብዝተፈጥረ ግጭት ኣስታት 22 ሰባት ሃለዋቶም ከም ዘይፍለጥ ፖሊስን ሰበስልጣን ኬንያ ምግላፆም ሮይተርስ ፀብፂቡ።
ብመሰረት መግለፂ ኣመሓዳሪ ኣውራጃ ቱርካና ኬንያ እቲ ግጭት ብቕድሚ ትማሊ ቀዳም ኣብ ዶብ ኬንያን ኢትዮጵያን ኣብ ጥቓ ሩባ ኦሞ'ዩ ኣጋጢሙ።
22 ኬንያዊያን ገፈፍቲ ዓሳ ሃለዋቶም ከም ዘይፍለጥን 15 ጀልባታት ከም ዝተሰረቓን ብምግላፅ 15 ካብ ወገን ኢትዮጵያ ድማ ድሒኖም ናብ ሃገሮም ከም ዝተመለሱን ፖሊስ ቱርካና ወሲዂ ገሊጹ።
ቅጥዒ