ኣብ ከተማ መቐለ ዝሰርሑ ወነንትን መራሕትን ባጃጅ ትማሊ ረቡዕ ዝጀመርዎ ኣድማ ስራሕ ደው ምባል ሎሚ’ውን ቀፂሎምሉ ኣለው።
መቐለ —
ወነንቲ ታክሲ ባጃጅ መንግስቲ ዘይኣመናሉ መምርሒ ኣውፂኡ ብትእዛዝ ኣተግብሩ ስለዝበለና ኢና ስራሕ ደው ኣቢልና ይብሉ። እቲ ኣተግብርዎ ንበሃል ዘለና መምርሕን ደንብን፤ ነፃነት ስራሕ ዝኸልእን ቀያድን እዩ እውን ይብሉ።
ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ኮንስትራክሽን፣መንገድን ትራንስፖርትን ዞባ መቐለ ኣቶ መሓሪ ገብረህይወት ብዛዕባ እቲ ዝወፀ መምርሒ ምስ ወነንትን ዘወርትን ባጃጅ ብተደጋጋሚ ተመያይጥናሉ ኢና፤ ነቲ ሕጊ ክቕበልዎ ስለዘይደሉ እምበር ኣይተመያየጥናሉን ምባል ካብ ሓቂ ዝረሓቐ እዩ ይብሉ ።
ቀንዲ ዕላማ እቲ መምርሒ ነቲ ብምጭንናቕ መጓዓዝያ ተፀጊሙ ዘሎ ህዝቢ ንምጥቃም ምዃኑ ዝተዛረቡ ኣቶ መሓሪ እቲ መምርሒ ወነንቲ ባጃጅ ብኩንትራት ንኸይሰርሑ ኣይእግዶምን እውን ኢሎም።
ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።
Your browser doesn’t support HTML5
ኣድማ ወነንትን መራሕትን ታክሲ-ባጃጅ ከተማ መቐለ ቀጺሉ