ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ከተማ መቐለ ዝርከቡ ወነንቲን መራሕትን ታክሲ- ባጃጅ ኣዲሞም


ፋይል- ከተማ መቐለ
ፋይል- ከተማ መቐለ

ወነንቲ ታክሲ ባጃጅ መንግስቲ ዘይኣመናሉ መምርሒ ኣውፂኡ ብትእዛዝ ኣተግብሩ ስለዝበለና ኢና ስራሕ ደው ኣቢልና ይብሉ። እቲ ኣተግብርዎ ንበሃል ዘለና መምርሕን ደንብን፤ ነፃነት ስራሕ ዝኸልእን ቀያድን እዩ እውን ይብሉ።

መለለዪ መዋፈሪ ስራሕ ማለት እውን ታፔላ እንድሕር ለጢፍና እሞ ድማ ብስምምዕ ውዕል ኣቲና ስራሕ እንተረኺብና ፖሊስ ትራፊክ ኣብ ዘይመዋፈሪኹም ውዒልኩም ብምባል እንተቐፀዐና እንታይ ውሕስነት ኣለና ብምባል ስግኣቶም ይገልፁ።

ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ኮንስትራክሽን፣መንገድን ትራንስፖርትን ዞባ መቐለ ኣቶ መሓሪ ገብረህይወት ብወገኖም ወነንቲ ባጃጅ ኣዲሞም ዝብል ሓበሬታ የብልናን ይብሉ። እንተኾነ ግና መንግስቲ ሕጊን መምርሕን ኣተግቢሮም ንህዝቢ ከገልግሉ ይሰርሕ ምህላዉ ይዛረቡ።

ኣቶ መሓሪ ብዛዕባ እቲ ዝወፀ መምርሒ ድማ ምስ ወነንትን ዘወርትን ባጃጅ ብተደጋጋሚ ተመያይጥናሉ ኢና፤ ነቲ ሕጊ ክቕበልዎ ስለዘይደሉ እምበር ኣይተመያየጥናሉን ምባል ካብ ሓቂ ዝረሓቐ እዩ ይብሉ ።

ቀንዲ ዕላማ እቲ መምርሒ ነቲ ብምጭንናቕ መጓዓዝያ ተፀጊሙ ዘሎ ህዝቢ ንምጥቃም ምዃኑ ዝተዛረቡ ኣቶ መሓሪ እቲ መምርሒ ወነንቲ ባጃጅ ብኩንትራት ንኸይሰርሑ ኣይእግዶምን እውን ኢሎም።

ወነንትን ዘወርትን ባጃጅ መለለዪ መዋፈሪ ስራሕ ንኽልጥፉ ዝተወሃቦም ጊዜ ገደብ ድሕሪ ፅባሕ ክኣክል እዩ፤ ብድሕሪኡ እንታይ እዩ ክስዕብ ደሓር ዝረአይ ኰይኑ ወነንቲ ባጃጅ ግና ሐጂ እውን ፀገምና ብዘተ ንፍታሓዮ በሃልቲ እዮም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ኣብ ከተማ መቐለ ዝርከቡ ወነንቲን መራሕትን ታክሲ- ባጃጅ ኣዲሞም
please wait

No media source currently available

0:00 0:04:33 0:00

XS
SM
MD
LG