ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ኣመሪካ ኣብ ሶሪያን ዒራቕን ካብ ጥሩፍ እስላማዊ ጉጅለ(ዳዕሽ) ናጻ ንዝወፁ ከባቢታት ኣስታት 150 ሚሊዮን ዶላር ሓገዝ ከምትህብ ምግላጾም ኣሶሴይትድ ፕረስ ሓቢሩ።
ብሊንከን ነዚ ዝገለጹ ነቲ እስላማዊ ጉጅለ ንምግጣም ስዑዲ ዓረብ ኣብ ዘዳለወቶ ዋዕላ ሚንስትራት ኣብ ዘስምዕዎ መደረ እዮም።ንሶም ወሲኾም እቲ ጉጅለ ዝቆፃፀሮ ግዝኣት የለን ግን ኣብ መላእ ኣፍሪቃ፣ ኤስያን ማእኸላይ ምብራቕን ዝርከቡ ተሓባበርቱ መጥቓዕታቶም ቀፂሎም ኣለው ኢሎም።
ንዳዕሽ ንምስዓር ዓለምለኸ ጥምረት ልዕሊ 80 ሃገራት ዘጠቓለለ ምውህሃድ ኣሎ። ብሊንከን እቲ መብጽዓ ኣካል ኣመሪካ ክትልግሶ ካብ ናይ ዝመደበቶ ልዕሊ 600 ሚሊዮን ዶላር ሓድሽ ሓገዝ ምዃኑ'ውን ኣፍሊጦም ኣለው።
ብሊንከን ኣብ መኽፈቲ እቲ ዋዕላ ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ "ትሑት ኩነታት ፀጥታን ሰብኣዊ ኩነታትን፡ ስእነት ቁጠባዊ ዕድላትን ዳዕሽ ይብለፀሎምን ንምምልማል ኣባላቱ ይጥቀመሎምን ዘለው እዮም’’ኢሎም። "ስለዝኾነ ድማ ንናይ ምርግጋእ ሸቶታትና ፅኑዕ ብምግባር ክንሕልዎ ኣለና’’ ኢሎም።
ብሊንከን ከም ኣካል'ቲ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዘካየድዎ ናይ ክልተ መዓልታት ዑደት ነቲ ኮንፈረንስ ብሓባር መሪሖምዎ ኣለው። ንሶም ኣብ ዑደቶም ምስ መራሒ ስዑዲ ዓረብ ልዑል መሓመድ ቢን ሳልማን ሓዊሱ ካልኦት ሰብ ስልጣን'ታ ሃገር ዝተራኸቡ ክኾኑ ከለው ኣብቲ ኣኼባ ሚንስትራት ወጻኢ ሃገራት ወሽመጥ እውን ተኻፊሎም ኣለው።