መንእሰይ ሃፍታይ ገብረን መንእሰይ ኣብርሃለ ፍትዊን ንቪኦኤ ኣብዝሃብዎ ቃለ-ምልልስ ብዕለት 27 ጥሪ 2008 ዓ/ም ሰዓት 12 ንግሆ ወታደራዊ ክዳን ዝተኸድኑን መብዛሕቲኦም ኣምሓርኛ ዝዛረቡን ዕጡቓት ቶኽሲ ከፊቶም ብበትሪ እናወቕዑ ን32 ሰባት ናብ ኤርትራ ከምዘስገሩዎም ገሊፆም።ዝተጨውይሉ ኣብ ዞባ ሰሜን ምዕራብ፣ወረዳ ቃፍታ ሑመራ ፍሉይ ሽሙ ፅርጋ ግርማይ ኣብ ዝተብሃለ ቦታ እዩ።
ኣብ ጥቓ ከተማ ተሰነይ ኣብ ዝርከብ ዓብዪ ዝበልዎ መስኖ ክሳብ 19 ለካቲት 2008 ዓ.ም ከስርሑ ከምዝፀንሑን ናብ ታዕሊሞ ክወስዱዎም ይንገሩዎም ከምዝነበሩን ብምግላፅ ኣብ መወዳእታ ግን ንሳቶም ብዘይፈልጡዎ ብመኪና ኣሳፊሮም ኣብ ዶብ ኤርትራን ሱዳንን ናብ እትርከብ ከተማ ሓምዳይት ምስ ኣፀግዕዎም ላዕለዋይ ኣመራርሓ ‘ኣርበኞች ግንቦት ሸውዓተን’ ሻምበል ዳዊት ዝተብሃለ ኤርትራዊ ወታደራዊ መኮነንን ናብ ዓድኹም ትምለሱ ኢኹም ከምዝበሉዎም ክልቲኦም መናእሰይ ይዛረቡ።
ብፍላይ እቲ ኤርትራዊ ወታደራዊ መኮነን ‘መንግስቲ ኤርትራ ብከምዚ ተዓፊንኩም ምምፃእኹ ኣይፈለጠን፣ምስ ፈለጠ ግን ናብ ሃገርኩም ክትምለሱ ወሲኑ’ኢሉ ከምዝተዛረቦም ገሊፆም።
እዚ ዜና እዚ ብዕለት 10 ለካቲት 2008 ዓ/ም ምስ ዘመሓላለፍናዮ ናይ 85 ኢትዮጵያዊን ምዕፋን ኣይመሳሰልን።
መጭወይቲ ተኻይድዎ ዝተብሃለ ቦታ ሓደ እንተኾነ እውን እቲ ዕለት፣ዝተጨውይሉ ስዓት፣ብዝሒ ዝተጨውዩ ኢትዮጵያዊያን፣መንነት እቶም ጨወይቲ፣ኣብ እዋን እቲ መጭወይቲ ኣጋጢሙ ብዛዕባ ዝተብሃለ ናይ ሰባት ሞት ኣይመሳሰልን።ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ መብርሂ ንምርካብ ዝገበርናዮ ፈተነ ኣይሰለጠን።ካብ መንግስቲ ኤርትራን ኣብ ኤርትራ ካብ ዝንቀሳቐስ ‘ኣርበኞች ግንቦት 7’ን ርእይቶ ንምርካብ ፈቲና እውን ኣይቀንዐናን።
ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።
Your browser doesn’t support HTML5
ብዘይዕረፍቲ ንልዕሊ 24 መዓልታት ከቢድ ናይ ጉልበት ስራሕ ንሰርሕ ነይርና ይብሉ ካብ ኤርትራ ዝተመልሱ ኢትዮጵያዊያን