ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ትግራይ ልዕሊ 85 ሰባት ተጨውዮም ናብ ኤርትራ ተወሲዶም ይብሉ መሰኻኽር


ዝሓለፈ ቅንያት ኣብ ሰሜን ምዕራብ ትግራይ ብባህላዊ ወርቂ ይኣሪዩ ካብዝነበሩ ሰባት ልዕሊ 85 ዝኾኑ ተጨውዮም ናብ ኤርትራ ከምዝተወሰዱን ክልተ ሰባት ድማ ከምዝሞቱን ካብቲ መጭወይቲ ኣምሊጥና ዝበሉ ንቪኦኤ ገሊፆም።

ኣብ ኤርትራ ዝመደብሩ ናይ ኢትዮጵያ ተቓዋሚ ውድብ ዴሞክራሲያዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ትግራይ/ዴምህት/ ብዛዕባ እዚ ዝፍለጦ የብለይን ኢሉ’ሎ።ናይ ቀደም ኣቦ መንበር ዴምህት ኣቶ ሞላ ኣስገዶም ግን ዴምህት ቅድሚ ሎሚ ብተመሳሳሊ ንመንእሰይ እናጨወየ የሰልፎም ከምዝነበረ ተዛሪቦም ኣለው።

ካብ መንግስታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ሓበሬታ ንምርካብ ዝተገብረ ፈተነ ኣይሰለጠን።

29 ጥሪ 2008 ዓ.ም ኣብ ምዕራብ ትግራይ ወረዳ ቃፍታ ሑመራ ጣቢያ ኢድሪስ ፍሉይ ሽሙ ፅርጋ ግርማይ ኣብ ዝተብሃለ ቦታ ልዕሊ 400 ዝኾኑ ሰባት ኣብ ሩባ ተከዘ ብባህላዊ መንገዲ ወርቂ ይአርዩ ኣብ ዝነበሩሉ ዕጡቓት ካብ ዶብ ኤርትራ ሰጊሮም ከምዝኸበቡዎም ካብቲ መጭወይቲ ኣምሊጥና ዝበሉ መናእሰይ ሓለፎም ግርማይን ማሙ ኣብርሃን ካብ ከተማ ሑመራ ገሊፆም።

እቶም መሰኻኽር ብተወሳኺ እቶም ጨወይቲ ወታደራዊ ዩኒፎርም(ሬጀንጀር ) ዝተኸደኑ 27 ዕጡቓት ምዃኖምን ትግርኛ ይዛረቡ ከምዝነበሩን ገሊፆም ኣለው ።

ምሉእ ትሕዝቶ አብዚ ምስማዕ ይክኣል።

please wait

No media source currently available

0:00 0:12:38 0:00

ምኽትል ኣቦ መንበር ዴሞክራሲያዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ትግራይ ዴምህት ኣቶ መኮነን ተስፋይ ውድቦም ኣብቲ ዝተጠቕሰ ከባቢን እዋንን ኣብቲ ከባቢ ኢድሪስ ኣይነበረን ኢሎም።ንመንእሰይ ብሓይሊ ጨዊኻ ናይ ምውሳድ ታሪኽ'ውን እቲ ውዱብ የብሉን ኢሎም።

ምሉእ ትሕዝቶ ቃለ-መጠይቕ ምስ ምኽትል ኣቦ-መንበር ዴሞክራሲያዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ትግራይ (ዴምህት) ኣቶ መኮነን ተስፋይ

ቃለ-መጠይቅ ምስ ምክትል ኣቦ መንበር ዴምህት ኣቶ መኮነን ተስፋይ
please wait

No media source currently available

0:00 0:07:17 0:00

ኣቶ ሞላ ኣስገዶም
ኣቶ ሞላ ኣስገዶም

​ኣቦ መንበር ዴምህት ዝነበሩን ኣማእቲ ዕጡቓት ሒዞም ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ኢዶም ዝሃቡን ኣቶ ሞላ ኣስገዶም ብዛዕባ እዞም ሎሚ ተጨዊዮም ዝተበሃሉ ሓበሬታ ከምዘይብሎም ብምግላፅ ቅድም ክብል ግን ንሶም ይምርሕዎ ኣብ ዝነበረ ዴምህትን ወታሃደራት መንግስቲ ኤርትራን ብሓባር ተመሳሰልቲ መጭወይቲ ይፍፀም ከምዝነበረ ገሊፆም።

ዝተጨወዩ ድማ ታዕሊሞ ወሲዶም ክዋግኡ ይግበሩ ነይሮም ክብሉ ወሲኾም ሓቢሮም።

ምሉእ ትሕዝቶ ቃለ-መጠይቕ ምስ ኣቶ ሞላ ኣስገዶም አብዚ ይስምዑ።

ቃለ-መጠይቕ ምስ ኣቶ ሞላ አስገዶም
please wait

No media source currently available

0:00 0:05:20 0:00

XS
SM
MD
LG