“ኣብ ምዕራብ ክልል ትግራይ ዘርኢ ናይ ምጽራይ ወፈራ ኣየቋረጸን” ህዩማን ራይትስ ዎች

Your browser doesn’t support HTML5

ዓለምለኸ ትካል ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ህዩማን ራይትስ ዎች፡ ብፍሉይ ኣብ ምዕራብ ክልል ትግራይ ዝፍጸም ዘሎ መጥሓስታት ሰብኣዊ መሰላት ኣመልኪቱ ሎሚ ሓሙስ 1 ሰነ 2023 ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ድሕሪ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶሪያ’ውን እቲ “ዘርኢ ናይ ምጽራይ ወፈራ” (ethnic cleansing) ኢሉ ዝጸውዖ ተግባራት ይቕጽል ምህላዉ ሓቢሩ።