ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መንግስቲ ኢትዮጵያ ንሪፖርት ሁማን ራይትስ ዎች ይነጽግ


መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ሁማን ራይትስ ዋች ዘውጽኦ ሪፖርት ምሉእ መጽናዕቲ ዘይተገብረሉን ዓሌታዊ ግጭት ዝትኹትኹን`ዩ ክብል ምላሽ ሂብሉ።

ሁማን ራይትስ ዋች ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዘውጽኦ ሪፖርት፥ “ሓይልታት ኣምሓራ ኣብ ምዕራባዊ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ወፍሪ ምጽራይ ዓሌት ቀጺሎም ኣለዉ” ኢሉ ኔሩ`ዩ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ ምላሽ ብወገኑ፡እቲ ክሲ ኣብ ኩሎም በቲ ግጭት ዝተተንከፉ ከባብታት ምሉእ መርመራ ዘይተገብረሉን ኣብ ጭብጢ ዘይተመርኮሰን`ዩ ክብል ነጺግዎ`ሎ።

እቲ መግለጺ "እቲ ዝንቡዕን ግጉይን ኣገላልጻ ሁማን ራይትስ ዋች ብሰላም ሓቢርካ ምንባር ዘነኣእስን ኣብ ኢትዮጵያ ንዝካየድ ዘሎ ሃገራዊ ጻዕርታት ሰላምን ዕርቅን ዝዕንቅፍን`ዩ” ይብል።

እቲ መግለጺ ብምቕጻል፡ ኢትዮጵያ ከም ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ዝበሉ ናጻ ትካላት ኣለዉዋ ብምባል፡ እቲ ኮሚሽን ምስ ናይ ሕቡራት ሃገራት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ብምዃን መርመራታት ግህሰት ከም ዘካየደ`ውን ጠቒሱ።

እቲ መግለጺ ኣስዒቡ፡ድሕሪ ስምምዕ ፕሪቶርያ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንመሰጋገሪ ዝኸውን ፍትሒ ዘገልግል ናይ ፖሊሲ ኣማራጽታት ኣብ ምንዳፍ ኣብ ሃገራዊ ምኽክር ተዋፊሩ`ሎ ይብል ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG