ዙር ኢጣልያ: ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ዳንኤል ተኽለሃይማኖት ኣንጸባራቒ ምንቅስቓስ የርኢ

ድሕሪቲ ሎሚ ሓሙስ ግንቦት 11 ዝተኻየደ ሻድሻይ መድረኽ ዙር ኢጣልያ፥ ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ክለብ ዳይመንሽን ዳታ ዳንኤል ተኽለሃይማኖት ማልያ ኣዙራ ተባሂሉ ኣብ ዝፍለጥ ሓፈሻዊ ናይ ዓቐብ ውድድር ካልኣይ ኮይኑ ድሕሪ ስሎቨንያዊ ፖላንክ ጃን ተሰሪዑ ይመርሕ ኣሎ።

ብዘይካዚ ኣብ መደብ ማልያ ቺክላሚኖ ተባሂሉ ዝግለጽ ናይ ነጥቢ ውድድር ሻድሻይ ደረጃ ሒዙ ይቕጽል ኣሎ።

ካልእ ኣብቲ ውድድር ተሳቲፉ ዘሎ ኤርትራዊ ናትናኤል ብርሃነ ድማ ኣብ መደብ ማልያ ሮዛ ማለት ኣብ ሓፈሻዊ ነጥቢ ኣብ መበል 27 ደረጃ ተሰሪዑ ይርከብ።

Your browser doesn’t support HTML5

ኤርትራዊ ዳንኤል ተኽለሃይማኖት ኣብ ዙር ኢጣልያ ኣንጸባራቒ ምንቅስቓሳ ኣብ ምርኣይ ቀጺሉ

ኣብቲ ናይ ሎሚ 127 ኪሎ ሜተር ዝሸፈነ ናይ ሻድሻይ መድረኽ ውድድር ስዊዘርላንዳዊ ዲለር ሲሊቫን ካብ ክለብ ቢኤም ሲ፤ በልጅማዊ ስቱይቨን ጃስፐር ካብ ክለብ ትረክ ከምኡውን ኦስትርያዊ ሉካስ ፖስትበርገር ካብ ክለብ ቦራ ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሳልሳይ ተመራሪሖም መስመር ፍጻመ ረጊጾም።

ብውህሉል ነጥቢ ኣብ መሪሕነት ዝርከቡ ድማ ላክሰንበጋዊ ተቐዳዳማይ ክለብ ክዩክ ስተፕቦብ ጃንገልስ ቀዳማይ ብሪጣንያውያን ገራንት ቶማስ ካብ ክለብ ስካይን ኣዳም ያተስ ካብ ክለብ ኦሪካን ካልኣይን ሳልሳይን ኮይኖም ይመርሑ ኣለው።

ተቐዳዳማይ ብሽክለታ ዳንኤል ተኽለሃይማኖት

ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ብሽክለታ ዳንኤል ተኽለሃይማኖት ኣብ ካልኣይ መድረኽ ዙር ኢጣልያ ኣምበሳ ዓቐብ ኮይኑ ተዓዊቱ ምንባሩ ይዝከር።