ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዘመንፈስ ሰሎሞን ብሓፈሻዊ ውጽኢት ጎብለል ዙር ኤርትራ 2017 ኮይኑ


ዘመንፈስ ሰሎሞን 5ይ መድረኽ ዙር ኤርትራ 2017 ኣብ ዝዛዘመሉ- ኣስመራ
ዘመንፈስ ሰሎሞን 5ይ መድረኽ ዙር ኤርትራ 2017 ኣብ ዝዛዘመሉ- ኣስመራ

ካብ 15-23 ሚያዝያ,2017 ንሓደ ሰሙን ክካየድ ዝቐነየ ኣህጉራዊ ቅድድም ብሽክለታ፡ `ዙር-ኤርትራ 2017` ትማሊ ሰንበት ኣብ ኣስመራ ብዝተኻየደ 5ይ መድረኽ ተዛዚሙ`ሎ። ሓፈሻዊ ውጽኢት`ቲ ውድድር ብኤርትራውያን ዝተዓብለለ ምንባሩ ተሓቢሩ።

ንእሰይ ተቐዳዳማይ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ዘመንፈስ ሰሎሞን፡ ብሓፈሻዊ ውጽኢት ጎብለል ዙር ኤርትራ 2017፡ ኣንበሳ ዓቐብን፡ ብሉጽ ተቐዳዳማይን ብምዃን፡ ቀጠልያ፡ ቀይሕ ዝነጠብጣቡ ማልያን ጻዕዳ ማልያን ብምሽላሙ ሕልፊ ኩሎም ደሚቑ ወጺኡ።

ብሓፈሻዊ ውጽኢት ድማ፡ ምስ ጀርመናዊት ጋንታ ባይክ-ኤይድ ዝስለፍ ሜሮን ተሾመ ተሸላሚ ቐጠልያ ማልያ ኮይኑ ተዓዊቱ`ሎ።

ብደረጃ ጋንታ ድማ ጋንታታት ኤርትራ ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሳልሳይ ኮይነን ተዓዊተን ኣለዋ። ኣብ`ቲ ብቐዳም ካብ ባጽዕ ናብ ኣስመራ ዝተኻየደ ውድድር፡ ሩዋንዳውያን ተቐዳደምቲ ካልኣይን ሳልሳይን ብምዃን ምዕዋቶም ተጠቃሳይ ኔሩ።

ኣብ`ዚ ብኣላይነት ፖርቹጋላዊት ኮሚሽነር ዩ.ሲ.ኣይ ኤዛበላ ፈርናንደዝ ዝተኻየደ ውድድር፡ ካብ ሩዋንዳ፡ሱዳን፡ኬንያ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ጣልያን፡ ጀርመንን ኔዘርላንድስን ዝመጻ ጋንታታት ተሳቲፈን ኔረን።

ምሉእ ትሕዝቶ ጸብጻብ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ዘመንፈስ ሰሎሞን ብሓፈሻዊ ውጽኢት ጎብለል ዙር ኤርትራ 2017 ኮይኑ
please wait

No media source currently available

0:00 0:01:23 0:00

XS
SM
MD
LG