ጥርዓን ሓረስቶት ራያ ኣላማጣ ብዝምልከት ሓበሬታ የብለይን ይብሉ ኣማሓዳሪ እቲ ወረዳ

  • ግርማይ ገብሩ

ሓረስቶት ጣብያ ጥሙጋ ቁሸት ቢትሞ

ኣብ ክልል ትግራይ ወረዳ ራያ ኣላማጣ ሓረስቶት ዘመናዊ ድኹዒ እንተዘይጠሊብኩም ሓገዝ እኽሊ ኣይትወሃቡን ተባሂልና ይብሉ።

እቶም ሓረስቶት ብተወሳኺ ዘበናዊ ድኹዒ ምዕዳግን ሓገዝ እኽሊ ምርካብን ነንበይኑ እዩ ኢልና’ውን ጠሪዕና ዛጊት ሰማዒ ኣይረኸብናን ይብሉ።

ዋና ኣማሓዳሪ እቲ ወረዳ ኣይተ ገብረእግዝኣብሔር ወልደገብርኤል ብኣንፃሩ ብዛዕባ እቲ ዝቐርብ ዘሎ ጥርዓን ሓረስቶት ሓበሬታ ከምዘይብሎም እዮም ዝዛረቡ።

ኣይተ ገብረእግዝኣብሔር ዘበናዊ ድኹዒ ምጥቃም መሰል እምበር ግቡእ ስለዘይኰነ በዚ መዳይ ተበዲለ ዝብል እንተሃልዩ ክነፃሪ ኢና ኢሎም።

ምሉእ ጸብጻብ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

Your browser doesn’t support HTML5

ጥርዓን ሓረስቶት ራያ ኣላማጣ ብዝምልከት ሓበሬታ የብለይን ይብሉ ኣማሓዳሪ እቲ ወረዳ