ኣብ ከተማ ባህርዳር አብ ዝሓለፈ ቀዳም ሰለስተ ህቡባት ስነ ጥበባዊያን ኣብ ዘዳለውዎ ኮንሰርት ሙዚቃ ብዘጋጠመ ናይ ቦምብ ሓደጋ ዝሞተ ሰብ የለን ዝቆሰሉ አባላት ፖሊስ’ውን ሕክምናዊ ኣገልግሎት ይረኽቡ ኣለው ክብል ምምሕዳር ክልል ኣፍሊጡ።
ዋሽንግተን —
ስሞም ክገልጹ ዘይደለዩ ነባሪ ግን በቲ ነታጉ ክልተ አባላት ፈደራል ፖሊስ ሞይቶም ሓሙሽተ ሰባት ድማ ቆሲሎም ኢሎም።
ሓላፊ ጉዳያት ኮሚኒኼሽን ክልል ኣምሓራ አቶ ንጉሱ ጥላሁን ሎሚ ንድምጺ ኣሜሪካ ከምዝበልዎ በቲ ዝተተኾሰ ነታጉ ዝቆሰሉ እምበር ዝሞተ የለን ኢሎም።
ኣብቲ እዋን ምፍንጃር’ቲ ነታጊ ኣብ መድረኽ ዝነበረት አርቲስት ኹኩ ሰብስቤ ንሳን ብጾታን ብደሓን ምውጽኦም ገሊጻ ግን ዝወረደ ጉድአት ምህላዎ ትፈልጦ እንተሃልያ ተሓቲታ ኣይፈለጥኩን ክትብል ንድምጺ ኣሜሪካ ክፍሊ ኣምሓርኛ ገሊጻ’ላ።
Your browser doesn’t support HTML5
"ኣብ ከተማ ባህርዳር ዘጋጠመ ነታጉ ዝቆሰለ እምበር ዝሞተ ሰብ የለን" ሓላፊ ጉዳያት ኮሚኒኬሽን’ቲ ክልል ሓቢሮም