ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ከተማ ባህርዳር ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ቦምብ ክልተ ኣባላት ፖሊስ ከም ዝሞቱ ነበርቲ ሓቢሮም

  • ቪኦኤ ዜና

ከተማ ባህርዳር

ኣብ ከተማ ባህርዳር ኣብ ዝካየድ ዝነበረ ናይ ሙዚቃ ምርኢት ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ቦምብ ክልተ ኣባላት ፖሊስ ከም ዝሞቱን ሓሙሽተ ኣባላት ፈደራል ፖሊስ ከም ዝቖሰሉን ሓደ ሽሙ ክገልጽ ዘይደለየ ሰብ ካብ`ቲ ኸባቢ ንድምጺ ኣሜሪካ ሓቢሩ`ሎ። “ነቲ መጥቃዕቲ መን ከምዝፈጸሞ ዝፍለጥ ነገር የለን ግን ንሳቶም ኣብ ዝተኣከብሉ`ዩ ተፈጺሙ” ይብል።።

ንባዕሉ ኣብ`ቲ ቦታ ከምዘይነበረ ዝገለጸ ነባሪ ባህርዳር፡ ነቲ ሓበሬታ ካብ ብጻዩ ከምዘረጋገጾ ይገልጽ። ኣብ ልዕሊ`ቶም ሙዚቀኛታት ጉድኣት ከምዘይወረደ`ውን ገሊጹ`ሎ።

ብዘይካ `ቲ ኣብ ዝሓለፈ ቐዳም ተፈጺሙ ዝተባህለ መጥቃዕቲ፡ ኣብ`ዚ ቕንያት ኣብ ካልኦት ቦታታት ኽልል ኣምሓራ ካልኦት መጥቃዕትታት ከምዝነበሩ`ውን እቲ ነባሪን ካልኦት ምንጭታትን ሓቢሮም ኣለዉ።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ኤምባሲ ኣሜሪካ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዘውጽኦ ናይ መገሻ መጠንቀቕታ፡ ዜጋታቱ ናብ`ቲ ኸባቢ ኸይኸዱ ኣጠንቂቑ ኔሩ`ዩ።

ምሉእ ትሕዝቶ ጸብጻብ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

መውሃቢ ርእይቶ ኣብ ፈይስቡክ

ኣብዚኣ'ሞ

ዚምባብወ ድሕሪ ሙጋበ ሕጂውን በቲ ገዛኢ ሰልፊ ምሕደርኣ ክቕጽል'ዩ። እዚ ኣብ'ታ ሃገር ዝተራእየ ለውጢ እምበኣር

እዚ ሳይንቲፊካዊ ዘይኮነ መዐቀኒ ህዝባዊ ርእይቶ፤ ንርእይቶ ወሃብቱ ጥራይ እዩ ዘመልክት

XS
SM
MD
LG