ኣዲስ ኣበባ —
ኢትዮጵያ ሰራዊታ ኣብ ቀረባ ካብ ሶማልያ ክወጽእ ትጽቢት ኣብ ዝግበረሉ ዘሎ እዋን፡ንኣልሸባብ ምውግኣ ግን ከም ትቕጽል ኣፍሊጣ።
ወሃቢ-ቃል ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ነብያት ጌታቸው ሎሚ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡” ኣብ ዝኾነ ኩነታት ንኣልሸባብ ናይ ምድኻም ስራሕ ክቕጽል`ዩ” ኢሉ።
እቲ ወሃቢ-ቃል ነዚ ዝበለ፡ ብምኽንያት`ቲ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሶማሊላንድን ዝተፈረመ ናይ መረዳድኢ ስምምዕ፡ ኣብ መንጎ ሶማልያን ኢትዮጵያን ውጥረት እናገደደ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን`ዩ።
ኣብቲ ብሓዲሽ ዝቐውም ናይ ሕብረት ኣፍሪቃ ተልእኮ ምኽባር ሰላም ሶማልያ፡ ኢትዮጵያ ከም ዘይትሳተፍ ሚንስትሪ ምክልኻል ሶማልያ ዝሓለፈ ቀዳም ምዝራቡ ይፍለጥ።
እቲ ብኣትሚስ ዝብል ሓዲሽ ሽም ዝጽዋዕ ተልእኮ ሰላም፡ ካብ ዝመጽእ ወርሒ ጥሪ ጀሚሩ ንሰለስተ ዓመታት ዝጸንሕ ተልእኮ ከም ዝቕበል ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ`ዩ።
ኢትዮጵያ ኣብቲ ክሳብ ሕጂ ዝጸንሐ ተልእኮ ሕብረት ኣፍሪቃ 3,000 ወተሃደራት ዝነበርዋ ክኾኑ ከለዉ፡ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ጥራሕ ብዝተገብረ ስምምዕ ድማ ካብ 5 ክሳብ 7-ሺሕ ዝበጽሑ ወተሃደራት ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ሶማልያ ሰፊሮም ጸኒሖም `ዮም ።