ኢትዮጵያ ኣብቲ ኣብ ዝመፅእ ወርሒ ጥሪ ሰርሑ ዝጅምር ሓድሽ ልኡኽ ዓቃቢ-ሰላም ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ሶማልያ ኣይትሳተፍን'ያ ክብሉ ሓደ ላዕለዋይ በዓል-ስልጣን ሶማልያ ሓቢሮም።
ክልቲኣን ሃገራት ብሰንኪ’ቲ ኣብ መጀመርታ’ዚ ዓመት ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሶማሌ-ላንድን ዝተገብረ ስምምዕ መዘክር ኣብ ወጥሪ ምህላወን ይፍለጥ።
ሚኒስተር ምክልኻል ሶማልያ ኣቡልቃድር መሓመድ ኑር ብቀዳም ንመንግስታዊ ተለቪዝን ኣብ ዝሃብዎ ቃል “ ሉኣላውነትን ሃገራዊ ሓድነትን ብምጥሓሱ መንግስቲ ኢትዮጵያ ጥራይ’ዩ ኣብዚ ተልእኾ ሕብረት-ኣፍሪቃ ከምዘይካፈል ዛጊት ፈሊጥና ዘለና” ኢሎም።
ኣብ ሶማልያ ካብ 2007 ዓ.ም ንደሓር ካብ ሓያለ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝተዋፅኡ ወታሃደራት ልኡኽ ዓቃቢ-ሰላም ሕብረት ኣፍሪቃ ይርከቡ። ኣሚሶም ብዝብል ስያመ ዝጀመረ’ዚ ተልእኾ ኣብ ባሕቲ ሚያዝያ 2022 ናብ ተልእኾ ዓቃቢ ሰላም ሕብረት ኣፍሪቃ ተቀይሩ’ዩ። ሓላፍነቱ ከኣ ኣብዚ ዓመት’ዚ ከብቅዕ’ዩ።
እቲ ልኡኽ ንዝሓለፋ 17-ዓመታት ሶማልያ ኣንፃር’ቲ እስላማዊ ሕጊ ዝኽተል መንግስቲ ንምምስራት ከምዝደሊ ዝገልፅ ጥሩፍ ጉጅለ ኣልሸባብ እትገብሮ ውግእ ክሕግዝ ፀኒሑ’ዩ።
ካብ ዝመጽእ ጥሪ 2025-ሳልሳይ ስርሒት ተልእኾ ወሃቢ ደገፍ ሕብረት ኣፍሪቃ ብዝብል ስያመ ክጅመር ትጽቢት ይግበር።
ሶማልያ ኣብዚ ዝሕደስ ተልእኾ ንተሳትፎ ኢትዮጵያ ክትነፅግ እዚ ንፈለማ ግዜ’ዩ።
ቅጥዒ