ሃዋሳ —
ኣብ ደቡብ ኢትዮጵያ ዞባ ጎፋ ወረዳ ጎፋ ቅድሚ ሒደት መዓልታት ዘጋጠመ ምህማም መሬት 5,000 ነበርቲ ካብ’ቲ ከባቢ ከምዝወጹ ቤት ጽሕፈትኮሚኒኬሽን’ቲ ክልል ኣፍሊጡ።
ናይ’ቲ ወረዳ ምክልኻል ሓደጋ ብወገኑ ህጹጽ ሰብኣዊ ረድኤት ዘድልዮም ልዕሊ 2,500 ሰባት ምልላይ ከምዝተኻኣለ ገሊጹ።
ንስራሕ ህይወት ኣድሕን ናብ’ቲ ስፍራ ዘቅንዑ መምህር ዩኒቨርስቲ ኣርባ ምንጭ ኣቶ ዘለቀ ዶሳ ንድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ ብሰንኪ’ቲ ሓደጋ ሓሙሽተ ኣባላት ቤተሰቦም ከምዝሳኣኑን፣ "እቲ ሓደጋ ልብኻ ዘድምን ኣዝዩ ዘቅንዙን" ከምዝኮነ ጠቂሶም።
እዚ ከምዚ’ሉ ከሎ ብዛዕባ’ቲ ሓደጋ ርእይቶ ዝሃቡ ዋና ጸሓፊ ሕ/ሃ ኣንቶንዮ ጉተረዝ እቲ ዝወረደ ሓደጋ ንምግላጽ፣ ዘጭንቕ ከምዝኾነን በቲ ሓደጋ ዝተሰምዖም ሓዘን ምግላጾምን ተሓቢሩ'ሎ።