ኣብ ቀረባ እዋን ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ኤክስ ኣቐዲሙ ትዊተር ዝጽዋዕ ዝነበረን ኣብ ፌስቡክንብ ኣፋን ኦሮሞ ኣብ ዘውፅኦ ምልከታ ስራሕ ንኣዲስ ኣበባ "ፊንፊኔ’’ ኢሉ ምጽዋዑ ተተሓሒዙ ደብዳበታት ከምዝበፅሖ ሚንስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ኣመሪካ ሎሚ ሰኑይ 4 ታሕሳስ 2023 ኣፍሊጡ።
ወሃቢ ቃል እቲ ሚንስትሪ ካብ ድምጺ ኣመሪካ ንዝቐረበሎም ሕቶ ኣብ ዝሃቡዎ ምላሽ ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከብ ኤምባሲ ኣመሪካ ቋንቋ ብዝምልከት ናይታ ሃገር ሕገ መንግስትን ሕግታትን ከም ዘኽብር ገሊፆም።
እቶም ወሃቢ ቃል ወሲኾም "እቲ ኤምባሲ ናይ ቆንሱላዊ ኣገልግሎትን ናይ ዲፕሎማሲ መደባትን ብዝተኽኣለ መጠን ስፍሓት ንዘለዎ ኢትዮጵያዊ ኣመልካትን ሰማዕን ከብፅሕ ንምግባር ኣብ መላእ ዓለም እንገብሮ ኩሉ ስሩዕ ዲጂታል ሚዲያ ኩሉ ግዜ ይጥቀም እዩ’’ ኢሎም።
ናይዚ ፃዕሪ ኣካል ዝኾነ ምንቅስቓስ እቲ ኤምባሲ ንኢትዮጵያዊያን ዝህቦ ኣገልግሎት ቆንስል ብስፍሓት ንምፍላጥ የኽእሉ እዮም ብዝብሎም ቋንቋታት 12 ሕዳር ምጅማሩ እቶም ወሃቢ ቃል ገሊፆም።
ብኢንግሊዝኛ፣ ኣምሓርኛ፣ ኣፋን ኦሮሞ፣ ትግርኛን ሶማሊያን ቪዲዮታት ምስርሖም ሓቢሮም።
ነዚ ዝምልከቱ ደብዳበታት ከምዝበፅሖም እቶም ወሃቢ ቃል ሚንስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ብምሕባር ብልሙድ ዲፕሎማሲያዊ ኣሰርራሓታት ዝተኣናገዱ ምዃኖም'ውን ኣፍሊጦም።