ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ንከተማ ኣዲስ-ኣበባ “ፊንፊነ” ኢሉ ዝጸውዐ ኤምባሲ ኣመሪካ ተቓውሞን ድጋፍን የስዕብ


ከተማ ኣዲስ ኣበባ - ፋይል
ከተማ ኣዲስ ኣበባ - ፋይል

ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ብ22 ሕዳር ኣብ ዝገበሮ ናይ ኤክስ ኣቐዲሙ ትዊተር ዝጽዋዕ ዝነበረ ማሕበራዊ መራኸቢ መወዓውዒ፡ ኣብቲ ብቋንቋ ኣፋን ኦሮሞ ኣብ ዝገበሮ ምልላይ፡ “ፊንፊነ” ኢሉ ንኣዲስ-ኣበባ ምጽዋዑ፡ ናይ ድጋፍን ተቓውሞን ጻውዒታት ይቐርብ ኣሎ።

ቤት-ምኽሪ ኢትዮጵያውያን-ኣመሪካውያን ዝተባህለ ትካል ናብ ኣምባሳድር ኤርቪን ሆሰ ማሲንጋ ኣብ ዝለኣኾ ቅሉዕ ደብዳበ፡ “እቲ ተግባር ካብ ዲፕሎማሲያዊ ቋንቋ ወጻኢ’ዩ፡” ኢሉ ብምዅናን፡ ነቲ ናይታ ርእሰ-ከተማ “ብዙሕነትን ታሪኽን ዝድምስስ’ዩ፡” ክብል ጠቒሱ። “ፊንፊነ ዝብል ቃል ምስ ምስ ዕንወት ኣባይቲን ታሪኽን ዝተሓሓዝ” ዝበለ መግለጺ ቤት ምኽሪ ኢትዮጵያውያን ኣመሪካውያን፡ኤምባሲ ኣመሪካ ነቲ ጽሑፍ ክስሕብን ይቕረታ ክሓትትን ጸዊዑ።

ኣብ ተመሳሳሊ ኣርእስቲ፡ ማሕበር ኢትዮጵያውያን ኣብ ኣመሪካ ዝተባህለ ካልእ ትካል ናብ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣብ ዝጸሓፎ ቅሉዕ ደብዳበ፡ ነቲ ተግባር ኣትሪሩ ብምዅናን፡ “ፊንፊነ ዝብል ስም ንጽንፈኛታት ተወላዶ ብሄረ ኦሮሞ ዝውክልን ብኣታቶም ዝጽዋዕን እምበር ካብ ሓደ ኤምባሲ ዝወጽእ ኣይኰነን፡” ብምባል ኮኒኑ።

ኣብ ኣመሪካ ዝመደበሩ ንክብሪን መሪሕነትን ኦሮሞ ዝጣበቕ ትካል፡ ናብ ኣንቶኒ ብሊንከን ኣብ ዝጸሓፎ ደብዳበ’ውን ንርእይቶን መርገጺን እቶም ክልተ ትካላትን ካልእ ምስቲ ጉዳይ ተኣሳሲሩ ዝለዓል ዘሎ ዘረባን ብትሪ ኰኒኑ። እቲ ብኣሕጽሮ-ቃል "ኦላ" (OLLAA) ተባሂሉ ዝጽዋዕ ትካል ኣብ መግለጺኡ፡ ነቶም ርእይቶ ዝህቡ ዘለዉ “ኣብ ዝንቡዕ ትረኻን ውክልናን ዝነብሩ’ዮም፡” ክብል ብምጽዋዕ፡ “እቶም ተሓለቕቲ ዝመስሉ ዘለዉ ንብዙሕነት ካልኦት ብሄራት ኣይግንዘቡን’ዮም፡” ኢሉ።

ኣብ መወዳእታ ድማ እቲ ኤምባሲ “ከም ሕገ-መንግስቲ ክልል ኦሮሚያ ዝጽውዖ፡ እታ ርእሰ-ከተማ ርእሰ-ከተማ እቲ ክልል’ውን ስለ ዝዀነት በቲ ግቡእ መጸውዒኣ ‘ፊንፊነ’ ኢሉ ምጽዋዕ ክቕጽል” ተማሕጺኑ።

ድምጺ ኣመሪካ ኣገልግሎት ቀርኒ ኣፍሪቃ ፡ ኣብዚ ጉዳይ መብርሂ ንኽህብ ንኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተወኪሱ ነይሩ። እቲ ኤምባሲ፡ “ኣብዚ ጉዳይ እንህቦ ተወሳኺ መብርሂ የሎን፡” ክብል ብጽሑፍ ምላሽ ሂቡ'ሎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG