ጉዳይ ኢምግሬሽን ኣብ ምርጫ ኣመሪካ 2024
Your browser doesn’t support HTML5
ፕረዚደንታዊ ሕጹይ ዶናልድ ትራምፕ፡ ብምድንጋር ንግዳዊ ገንዘብ ኣብ ቤት ፍርዲ ኒውዮርክ ገበነኛ ኮይኑ ድሕሪ ምርካቡ፡ ዳግም ናብ ጎስጓስ ምርጫ ተመሊሱ`ሎ። ኣብ ምዕራባዊ ግዝኣታት ንድጋፉ ኣብ ዝተኻየደ ሰልፊ ዝተዛረበ ትራምፕ፡ኣብ ኢሚግረሽን ብምትኳር፡ ሃገራት ሰበን ናብ ኣመሪካ ከይመጹ ጠጠው እንተዘይቢለን ማዕቀብ ከም ዝገብረለን ኣጠንቂቑ።