ህዝቢ ምስ ህዝቢ፡ አብ ጉዳይ ኤል-ኒኞ (2ይ ኽፋል)

  • ገብረ ገብረመድህን

ዶ/ር ሳራ ተወልደ (ጸጋም)፡ ዾ/ር ጽጋቡ ኣስመላሽ (የማን)

ዓለም-ለኸ ክስተት ኤል-ኒኞ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ዓለም ድርቅን ከቢድ ውሕጅን እናስዓበን ከቢድ ጥፍኣት እናውረደን ይርከብ።ብፍላይ ድማ ቀርኒ ኣፍሪካ ብሰንኪ ኤል-ኒኞ ንከቢድ ድርቂ ዝተቓልዐ ብሚሊዮናት ዝቁጸሩ ሰባት ተፀበይቲ ህፁፅ ረድኤት ይኾኑ ኣለው፤እንስሳት እውን እናሞታ ይርከባ።

ኣብ ፓሪስ ፈረንሳይ ዝተኣከቡ መራሕቲ ዓለም ኣብ ለውጢ ኩነታት ኣየር ኣሳሪ ኣብ ዝኾነ ስምምዕ ክበፅሑ እዮም ዝብል እምነት ኣለዎም ኣብ ዩኒቨርስቲ መቐለ ተሓባባሪት ፕሮፌሰር ዶ/ር ሳራ ተወልደብርሃን ገብረእግዛብሄርን ኣብ ክፍለግዝኣት ሜሪላንድ ዝርከብ ዩኒቨርስቲ ታውሰን መምህር ዝኾነ ዶ/ር ፅጋቡ ኣስመላሽ ገብረህይወት።

ዓለም ሓደ ነገር ክሳብ ትገብር ግን ግዳይ ለውጢ ኩነታት ኣየር ዝኾና ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ህዝበን ንምምጋብ ናይ መስኖ ኣገባብ ሕርሻ ክጥቀማን ዝተቓፀለ ኣየር ዝስሕብ ደኒ ክተኽላን ኣለወን'ውን ይብሉ እዞም ዘዘራረብናዮም ምሁራት።

ምሉእ ትሕዝቶ አብዚ ምስማዕ ይኸአል።

Your browser doesn’t support HTML5

ህዝቢ ምስ ህዝቢ፡ አብ ጉዳይ ኤል-ኒኞ (2ይ ኽፋል)