ጸገም ዝስተ ማይ ገለ ከባቢታት ከተማ ኣዲስ ኣበባ ምስ ሕጽረት ሓይሊ ኤሌክሪክ ዝተኣሳሰረ እዩ ክብሉ ነበርቲ ገሊጾም።በዓል ስልጣን ማይን ፈሳሲን እታ ከተማ መዓደሊ ማይ ከፊቱ ኣገልግሎት ይህብ ከምዘሎ ተፈሊጡ።
ኣዲስ ኣበባ —
ሕጽረት ዝስተ ማይ ካብ ዘጥቕዖም ከባቢታት ኣዲስ ኣበባ ሓደ ኣስኮ ዝተባህለ ከባቢ እዩ።ኣካል ክፍለ ከተማ ኮልፌ ቀራኒዮ ኣብ ዝኾን ኣስኮ ብሽም ሰኔተር ምክሊ ላንድ ኣብ ዝጽዋዕ ሓባራዊ መንበሪ ነባሪ ዝኾኑ ኣቶ ባየ ዓብዪ ሕጽረት ዝስተ ማይ ከምዘሎ ይገልጹ። እቲ ዝርገሐ ማይ ክሳብ ራብዓይ ደርቢ’ቲ ህንጻ ስለዘይበጽሕ ማይ ብሪጋ ከምዝረኽቡ ይገልጹ።
ብዙየ ተስፋየ ዝተብሃላ ካልእ ነባሪት ድማ ኣብቲ ከባቢ እቲ ጸገም ዓብዪ ከምዝኾነ ብምሕባር ጸገም ዝስተ ማይ ምስ ሕጽረት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ዝተኣሳሰረ እዩ ይብላ።
በዓል ስልጣን ማይን ፈሳሲን ኣዲስ ኣበባ ነዚ ንምቅላል ካብ ዝሓለፈ ጥሪ 2008 ዓ.ም ጀሚሩ ኣብ ዋና መንገድ ኣስኮ ሓደ መከፋፈሊ ማይ ከፊቱ ንሓደ ጀሪካን ማይ ብ20 ሳንቲም ምሻጥ ከምዝጀመረ ሰራሕተኛ እቲ መከፋፈሊ ወ/ሮ ኣለም ተሰማ ይገልጻ።ተጠቃሚ ካብ ብዙሕ ከባቢ እናመጸ ማይ ከምዝዕድግ ወሲኸን ገሊጸን።
ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተፈጥረ ጸገም ዝስተ ማይ ኣብ ዝሓለፈ ኽረምቲ እኹል ዝናብ ብዘይምውቅዑ ናይ ማይ ዲጋታት እኹል ማይ ስለዘይዓቖራ ምዃኑ ሰበስልጣን መንግስቲ በተደጋጋሚ ይገልጹ።
ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።
Your browser doesn’t support HTML5