መቐለ —
ኣብ ትግራይ ሕብረተሰብ ፀገም ማይ ንምፍታሕ ኣብ ዘካይዶ ፃዕሪ ብዙሓት ዕንቅፋት የጓንፎ።
ኣብ ምብራቕ ትግራይ ወረዳ ሳዕስዕ ፃዕዳ እምባ ጣብያ ኣግኣዚ ኣብ ሓደ ስድራ ብሕሱም ፀገም ማይ ዘጓነፈ ፀገም ንርአ።
ሓደ ሓረስታይ ዒላ ማይ እንትኹዕቱ ሸተት ኣቢልዎም ህይወቶም ስኢኖም፤ በዓልቲ እንድኦም እዚ ኹሉ ብሰንኪ ኣለሻ ማይ ዝተፈጠረ ፀገም እዩ ይብላ።
ስድራአን ዓርሰን ክመርሓ ከቢድ በይናዊ ሓላፍነት ዝተሰከማ እዘን ኣደ ሎሚ ኣብ ጥቓ ገዘአን ጉድጓድ ማይ ምስ ተዃዓተ ፀገምና ይቃለል ኣሎ ይብላ፤ ግርማይ ገብሩ ረኺቡ ኣዘራሪቡወን ኣሎ።
ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።