ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዝተራእየ ፍሳስ ነዳዲ ዘይቲ ነታ ኣሰራ ዘይተረኽበ ነፋሪት መንገዲ ኣየር ግብጺ ንምርኻብ ክሕግዝ ይክእል’ዩ ክብሉ ሰበ-ስልጣን ኣውሮጳ ገሊጾም።
ካይሮ —
እቲ ዝተራእየ ፍሳስ ነዳዲ ዘይቲ ካብቲ’ታ ነፋሪት ኣብ መወዳእታ ዝተራእየትሉ ክሊ ኣየር ኣስታት 40 ኪ.ሜትር ብሸነክ ደቡብ ምብራቕ ዝተራእየ ምኳኑ’ውን ተፈሊጡ’ሎ።
ቀንዲ ኣዛዚ ሰራዊት ግብጺ ብርጋዴር ጀነራል መሓመድ ሳሚር ኣብ ናይ ፌስ-ቡክ መልእኽቶም ናይ መንገደኛታት ንብረትን ስብርባር’ታ ነፋሪት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ምርኣዩን ገሊጾም’ለው።
ሰበ-ስልጣን ግሪክ ኸአ ሓደ ሓደ ክፍሊ ኣካላት ሰብን ናይታ ነፋሪትን መናብርን ባልጃታትን ከምዝተረኽቡ ሓቢሮም’ለው።
66 ተጉዓዝቲ ዝነበርዋ ነፋሪት መንገዲ ኣየር ግብጺ ኣብ ማእኸላይ ባሕሪ ካብ ትወድቕ ንደሓር ብህይወት ዝተረፈ ተጉዓዛይ ዛጊት የለን። ሬሳታት ናይ ምድላይ ስርሒት ይቕጽል ከምዘሎን እታ ነፋሪት ምኽንያት መውደቒኣ ክሳብ ሕጂ ብርግጽ ኣይተፈለጠን።
ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።
Your browser doesn’t support HTML5
ስብርባርን ፍሳስ ነዳዲ ዘይቲን ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ገማግም ግብጺ ምርኻቡ ተሓቢሩ