ኣብ ኣሜሪካ ክፍለ ግዝኣት ካሊፎንያ ዝተላዕለ ባርዕ ሓዊ 7 ሰባት ሞይቶም

Your browser doesn’t support HTML5

ኣብ ኣሜሪካ ክፍለ ግዝኣት ካሊፎንያ ከባቢ ከተማ ሳንፍራንሲስኮ ቕድሚ ክልተ ሰሙን ብዝጀመረ ባርዕ ሓዊ 7 ሰባት ምሟቶምን ብኣማኢት ዝቑጸሩ ካብ ቤት ንብረቶም ምዝንባሎም ተገሊጹ። እቲ ባርዕ ሓዊ ክሳብ ሕጂ 1,080 መንበሪ ኣባይቲ ዝርከቦ 1,600 ህንጻታት ከምዘዕነወ ይግለጽ ኣሎ። ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ በሰንበት ነቲ ባህርያዊ ሓደጋ ዝውዕል ፈደራል ናይ ገንዘብ ሓገዝ ምፍቓዶም’ውን ይፍለጥ።