ዋሽንግተን —
ብዕጡቓት ሑቲ የመን ዝተተኮሰ ሚሳይል ንሓንቲ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዝነበረት መርከብ ሃሪሙ ከም ዘቃጸለ ተፈሊጡ። ከም ሓበሬታ ኣሶሴይትድ ፕረስ ቅድሚ ሰዓታት `ውን ካልእ መርከብ ኣብ ከባቢ ኣል-ጃስራህ ብተመሳሳሊ ተወቒዓ ኔራ።
እቲ ብኢራን ዝድገፍ ዕጡቕ ጉጅለ ሑቲ ነቲ መጥቃዕቲ ሓላፍነት ብምውሳድ፡ መግብን መድሃኒትን ክሳብ ዝበጽሓና ነቲ መጥቃዕቲ ክንቅጽሎ ኢና ክብል ኣጠንቂቑ`ሎ።
እዚ ኣብ መስመር ቀይሕ ባሕሪ ከባቢ ባብ-ኤል መንደብ ዝግበር መጥቃዕቲ ነተን ካብ ኤውሮጳ ብስዊዝ ካናል ሓሊፈን ናብ ህንዳዊ ውቅያኖስ ዝኸዳ መራኽብ ኣብ ሓደገኛ ኩነታት ኣውዲቕወን ከም ዘሎ ይግለጽ ኣሎ።