ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ካብ ዕጡቓት ሑቲ ዝተወንጨፈ ሚሳይል ኣብ ባብ-ኤል መንደብ ዝነበረት መርከብ ሃሪሙ


ፋይል
ፋይል

ሑቲ ካብ ዝቆጻጸርዎ ከባቢ የመን ዝተተኮሰ ሓደ ሚሳይል ኣብ ወሽመጥ ባብ-ኤል መንደብ ንሓንቲ ባንዴራ ኖርወይ ተንበልብል ዝነበረት ናይ ጽዕነት መርከብ ሃሪሙ 'ሎ።

ማእኸላይ እዚ ኣመሪካ ኣብ ዘወጽኦ መግለጺ እቲ ሚሳይል ኣብታ ስትሪንዳ ዝተባህለት ናይ ጽዕነት መርከብ ዝርከብ ነዳዲ ባርዕ ኣልዒሉ ምንባሩን ግን ዝወረደ ጉድኣት ምህላው ከምዘይተገልጸን ኣፍሊጡ'ሎ።

እዚ ካብቲ ንእስራአል ዝዓለመ ናይ ድሮንን ሚሳይላትን መጥቃዕቲ ብተወሳኺ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ወይ ጥቅኡ ብኢራን ብዝድገፉ ሚሊሽያታት ሑቲ ዝተፈጸመ ዳሕረዋይ መጥቃዕቲ እዩ።

ሓይሊ ባሕሪ አመሪካ ነቲ ካብ ደባይ ተዋጋእቲ ሑቲ ዝትኮስ ሚሳይላት ንምፍሻሉ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ሚሳይላት ጸረ-ተወንጫፊ ክትኮስ ከሎ ዘርኢ ቪድዮ ዘርጊሑ'ሎ።

ሚሊሽያታት ሑቲ ብሰንበት ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ ብየመን ኣቢለን ናብ እስራኤል ንዘምርሓ ዝኾና መራኽብ ዕላማ ከም ዝገብሩ ኣፍሊጦም ኣለዉ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG