ጉባኤ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ አዲስ አበባ ተኻይዱ

Your browser doesn’t support HTML5

መበል 30 ጉባዔ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ኣዳራሽ ሕብረት ኣፍሪቃ ትማሊ ሰንበት ጥሪ 28,2018 ተጀሚሩ። እቲ ጉባዔ ኣብ ጉዳይ ኣህጉራዊ ነጻ ናይ ንግዲ ዞባን ምምሕያሽ ሕብረት ኣፍሪቃ ከምዘተኹረ ከምዝኸውን ተገሊጹ። ኣብቲ ጉባዔ ዝሳተፉ ዘለው መራሕቲ ሃገራት ብተወሳኺ ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ ስግኣት ሰላምን ጸጥታን ምዕባለን ንዝኾነ ወታሃደራዊ መጥቓዕትታት ንምምካት ዘሎ ህጽጹነት ብዝምልከት ስምምዕ ምፍራሞም ተሓቢሩ’ሎ።