ዋሽንግተን —
ትማሊ ሰንበት ዝተኸፍተ ዋዕላ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪቃ ሎሚ ምሸት ተዛዚሙ’ሎ።
ኣቦ ወንበር ኮይኖም ዝተመርፁ ናይ ሩዋንዳ ፕረዚደንት ፖል ካጋሜ ኣፍሪቃዊያን ኣብ ውሽጢ እታ ኣህጉር ብሓደ ፓስፖርት ክንቀሳቐሱ ንሰርሕ ኣለና ኢሎም።
ኣብቲ ኣኼባ ተዓዲሞም መደረ ዘስምዑ ናይ ፍልስጤማዊያን ፕረዚደንት ማሕሙድ ዓባስ ድማ ሃገራት ኣብ እዮረሳሌም ዝኾነ ዓይነት ኢምባሲ ካብ ምኽፋት ክቑጠባ ሓቲቶም።