ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣፍሪቃ: ንናይ ፕረዚደንት ትራምፕ ናይ ጽልኢን ጽዩፍ ዘረባን ስቕ ከምዘይትብል ሕብረት ኣፍሪቃ ኣፍሊጡ


ኣፍሪቃ ንናይ ፕረዚደንት ትራምፕ ናይ ጽልኢን ጽዩፍ ዘረባን ስቕ ከምዘይትብል ሕብረት ኣፍሪቃ ትማሊ ሓሙስ ኣፍሊጡ።

እቲ ሕብረት ነዚ ዝበለ ኣብቲ ኣብ ከተማ አዲስ አበባ ዝኻየድ ዘሎ ኣብ ጉባዔ ፈጻሚ ስራሕ ንምስታፍ ንዝተአኸቡ ሚንስተራት ወጻኢ ጉዳያት ሃገራት ኣፍሪቃ እዩ።

አቦ መንበር እቲ ሕብረት ሙሳ ፋቂ ነቲ ናይ ፕረዝደንት ትራምፕ ጽዩፍ ዘረባ ብትሪ ኮኒኖም።

ፕረዚደንት ትራምፕ ነዚ ዝበሉ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ምስ አባላት ቤት ምኽሪ ኣብ ጉዳይ ኢምግሬሽን ኣብ ዝተራኸብሉ ምዃኑ ይዝከር ብዘይካ እዚ ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት ዝሃብዎ ርእይቶን እየሩሳሌም ከም ዋና ከተማ እስራኤል ኣፍልጦ ምሃቦምን ንልዑኽ ዓቃብ ሰላም ዝወሃብ ገንዘብ ምጉዳል ዝብሉ አደንጃ ፕረዚደንት ትራምፕ መዘረረቢ መራሕቲ ኣፍሪቃ ኮይኑ ከምዝቅንዩ ተገሊጹ’ሎ።

አቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋቂ እዚ ስጉምቲ ንሕብረት ኣፍሪቃ ዝብድህ ብምዃኑ ኣህጉር ኣፍሪቃ ብስቅታ ኣይክትሓልፎያ ኢሎም።

ኣብ አዲስ አበባ ዝተጋብኡ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብዘን ጉዳያት ዝመጽእ ሰንበትን ሶኑይን ድሕሪ ምዝታይ ወግ ዓዊ መግለጺ ክህቡ ምካኖም’ውን ተፈሊጡ’ሎ።

XS
SM
MD
LG