አዲስ አበባ፡ ዝተአከበ ጉሓፍ ብምፍራሱ 62 ሰባት ሞይቶም

Your browser doesn’t support HTML5

ኣብ ኢትዮጵያ ከተማ አዲስ አበባ ዝተአከበ ጎሓፍ ተደርሚሱ 62 ሰባት ከምዝሞቱ ካልኦት ሓያለ ኸአ ሃለዋቶም ከምዘይተፈልጠ ተገሊጹ። እቲ ኩምራ ጎሓፍ ካብታ ዋና ከተማ አዲስ አበባ ውጽእ ኣብ ዝበለ ቆሸ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ጎሓፍ ዝእከበሉ ቦታ ዘጋጠመ ኮይኑ በቲ ሓደጋ ዝሞቱ መብዛሕትኦም ኣብቲ ከባቢ ዝነብሩ ትሑት ኣታዊ ዘለዎም ስድራቤታት ምኻኖምን በቲ ሓደጋ ዓብይ ጉድኣት ከምዘውረደ ካብቲ ሓደጋ ዝተረፉ ይገልጹ።