ኣዲስ ኣበባ —
ከንቲባ አዲስ አበባ ኣቶ ድሪባ ኩማ ቁጽሩ ዝሞቱ 64 ሰባት ምኻኑን ካብኣቶም 20 ደቂ-ተባዕትዮ 45 ድማ ደቂ-ኣንስትዮ ምኻኖም ሓቢሮም። ካልኦት ሓያለ ኸአ ሃለዋቶም ከምዘይተፈልጠ ከምዘለዎ ድማ ሚኒስትር ኮሚኼሽን ነገረ ሌንጮ ገሊጾም፡ ብተወሳኺ ቁጽሪ ሞቱ ክውስኽ ከምዝኽእል ዘሎ ስግኣት'ውን አረዲኦም።
እቲ ኩምራ ጎሓፍ ካብታ ከተማ ውጽእ ኢሉ ኮልፌ ቀራንዮ ዝበሃል አከባቢ ቆሼ ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ ቦታ ዝተአኸበ ኾይኑ ኣብቲ ከባቢ ኣብ ዝነብሩ ትሑት አታዊ ዘለዎም ስድራቤታት ድማ ዓብይ ጉድኣት ከምዝውረደ ካብቲ ሓደጋ ዝተረፉ ይገልጹ’ለው።
አዲስ አበባ፡ ዝተአከበ ጉሓፍ ብምፍራሱ 62 ሰባት ሞይቶም
Previous slide
Next slide
ሪፖርተራት ድምጺ ኣሜሪካ ናብቲ ቦታ ብምኻድ ካብ ፖሊስ ተወሳኺ ሓበሬታ ንምርካብ ዘካየድዎ ጻዕሪ ኣይተዓወተን።
ምሉእ ትሕዝቶ ጸብጻብ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።