ወጥሪ ሶማልን ኢትዮጵያን ኣብ ዝዓረገሉ፡ ፕረዚደንት ሶማል ንኤርትራ ይበጽሕ

Your browser doesn’t support HTML5

ኣብ ባሕቲ ጥሪ ኣብ መንጎ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድን ፕረዚደንት ርእሰ-ምምሕዳር ሶማሊላንድ ሙሰ ቢሒ ዓብዲን ዝተፈረመ ስምምዕ መዘከር ብሓያሎ ወገናት የዘራርብ ኣብ ዘለወሉ እዋን፡ ሶማል “ንምክልኻል ልኡላውነትይ” ዝበለቶ በበይኑ ስጉምታት ትወስድ ኣላ። እዚ ዓይነት ወጥሪ ኣብ ዝርኣየሉ እምበኣር’ዩ ፕረዚደንት ሶማል ሓሰን ሸኽ መሓሙድ ናብ ኣስመራ ሎሚ በጺሑ ዘሎ።