ድሕሪ 36 መዓልታት ዝተረኽበት ስደተኛታት ዝጸዓነት መርከብ

Your browser doesn’t support HTML5

ንልዕሊ ሓደ ወርሒ ኣብ ኣትላንቲክ ውቅያኖስ ክንትሳፈፍ ዝቐነየት ስደተኛታት ዝጸዓነት ጃልባ ተረኺባ፡ እንተኾነ ግን ኣብኣ ካብ ዝነበሩ 101 ሰባት 38 ጥራሕ'ዮም ብህይወት ተሪፎም። እታ ጃልባ ካብ ሰኔጋል ተበጊሳ ናብ ስፔን ኣብ ትጉዓዘሉ ዝነበረት እዋን፡ ነዳዲ ወዲኣ፡ ኣብ ማእከል ባሕሪ ብንፋስ ክትጽፋዕ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ ዝተረኽበትሉ 63 ሰባት ህይወቶም ምስኣኖም ተፈሊጡ'ሎ።