ነብስወከፍ ብሰንኪ ወራር ሩስያ ዝፈናቐል ዩክሬናዊ፡ ብዛዕባ ምፍልላይ ስድራቤታትን ክሳራታትን ልቢ ዝትንክፍ ዛንታ የዘንትዉ።
ስድራቤት ናኮቭና ሓንቲ ካብዞም ስድራቤታት'ያ ካብ ሰለስተ ክሳብ 70 ዓመት ዕድመ ዘለዎም አባላት ስድራቤት ዝሓዘት`ያ። ኣብ ፖላንድ ሓደ ስድራቤት ተቐቢሎማ`ለዉ። ካብ ዋና ከተማ ኪይቭ ናብ ፖላንድ ንምእታው ንክልተ መዓልታት ኣማኢት ኪሎ ሜትራት ተጓዒዛ።
ሰለስተ ወለዶታት ስድራቤት ናኮቪና ንኻልኣይ ግዜኣ`ያ ክትፈናቐል፡ ኣብ 2014 ካብታ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር`ቶም ብሩስያ ዝድገፉ ክንፍለ በሃልቲ ዕጡቓት ዝተታሕዘት ከተማ ሉሃንስክ እዛ ስድራቤት ናብ ኪየቭ ሃዲማ። ሕጂ ድማ ኪየቭ ብታንክታት ሩስያ ምስ ተኸበበት ናብ ፖላንድ ሃዲማ ትርከብ።
ማሪያ ናኮቭና "ናብ ኪየቭ ምስ ገዓዝና ሰላም ኢና ብዝብል ገዛ ገዚእና ህይወትና ክንመርሕ ጀመርና። በዚ መጸ ዘይብሃል ኣብ መበል 21 ክፍለዘመን ክኸውን ዘይትጽበዮ ኣጋጢሙና ግን ንኻልኣይ ግዜ ክንስደድ ተገዲድና" ትብል።
በዓል ቤታ ንማርያ ክዋጋእ ስለዝተጸውዐ ኣብኡ ኣብ ዩክሬን`ዩ ተሪፉ ዘሎ። ዝዓበየት ጓሎም ኣና፡ ሚሳይላት ሩስያ ኣብ ከባቢና ዝነበረ ጽርግያታት ክዓልብ ምስ ጀመረ ኢና ሃዲምና ትብል።
"ህይወትና ክነድሕን ናብ ገለ ክንሃድም ኔሩና። ሕጻን ሓፍቲ ኣላትኒ፡ ጓል ሰለስተ ዓመት ቆልዓ። ስለዚ ንመጻኢ ክንተርፍ ገለ ክንገብር ኣለና ኢልና ሃዲምና" ትብል።
ኣና ፖላንድ ክሰግሩ ክልተ መዓልታት ወሲድሎም- ኣብኡ ድማ ክሳብ ዝቕበልዎም ን24 ሰዓታት ኣብ መስርዕ ተጸብዮም። ጓል 70 ዓመት ኣደ ኮፍ ትብለሉ`ኳ ኣይነበራን ትብል።
ካብ እዋን ሕብረት ሶቭዬት ክሳብ ናጽነት ዩክሬን ዝረኣየት ጓል 70 ዓመት ታቲያና ኖቮቭና፡ ሕጂ ድማ ካብ ዓዳ ተሰዲዳ`ላv
ንሳ ብዛዕባ`ዚ ኣርእስቲ`ዚ ክዛረብ ከለኹ ንብዓት`ዩ ዝስዕረኒ። ነዞም ቆልዑ ይሓዝን፡ ነዛ ሃገርን ንኹሉ ሰብን ይሓዝን ትብል ።
ኣና ሕጂ ኣብ ክራኮው ዝተባህለት ከተማ ፖላንድ ዝቕበልዋ ስድራቤት ረኺባ`ላ።
ዓሰርተታት ኣሸሓት ፖላንዳውያንን ካልኦት ኤውሮጳውያንን፡ ንዩክሬናውያን ስደተኛታት ገዝኦም ክፉት ጌሮምሎም ኣለዉ። ክሪስትና ዝተባህለት ሓንቲ ካብኦም፡ እዚ ንገብሮ ዘለና ባህሪያዊ ሰብኣዊ ግብረ መልሲ`ዩ ትብል።
"ልብኻ ዝሰብር`ዩ ስለዚ ክሕግዝ ኔሩኒ፡ ሓደ ናጻ ክፍሊ ኣለኒ፡ ስለዚ ክኣብያ ኣይክእልን`የ " ትብል እዛ ፖላንዳዊት ሰበይቲ።
ሕጂ ስድራቤት ናኮቭናስ ካብ ፖላንዳውያን ትረኽቦ ዘላ ኣቀባብላ ልዕሊ ክትገልጾ ትኽእል ኮይኑዋ`ሎ። እታ ጓል ሰለስተ ዓመት ቆልዓ`ውን ሓደሽቲ መሓዙት ረኺባ`ላ- ናይ ቁልዕነት ጸወታኣ`ውን ቀስ እናበለ ዝምለስ ዘሎ ይመስል።