ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ወተሃደራዊ ክንፊ መሰጋገሪ መንግስቲ ሱዳን ዕልዋ ፈጺሙ


ሰኑይ ንግሆ ነበርቲ ከተማ ካርቱም ሱዳን ኣብ ዝተንስእሉ ሰዓታት ወተሃደራዊ ልብሲ ብዝወደዩ ሓለዋ’ዮም ንነብሶም ተኸቢቦም ረኺቦማ። ቀዳማይ ሚኒስተር ዓብደላ ሓምዶም ምስ በዓልቲ ቤቶምን ካልኦት ወሰንቲ ሰበ፡ስልጣን መሰጋገሪ መንግስቲ’ውን ናብ ዘይተፈልጠ ቦታ ተወሲሶም ተኣሲሮም ምህላዎም ተፈሊጡ። ነቲ ዕልዋ መንግስቲ ዝቃወሙን ሲቪላዊ መንግስቲ ዝድግፉን ኣሽሓት ሰልፈኛታት ድማ ንጎደናታት ውሒዞም።

ወተሃደራዊ መራሒ ሱዳን ሌትናል ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣል-ቡርሃን፡ ኣብቲ ሰኑይ ንግሆ ዝገበሩዎ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ህጹጽ ናይ ሓደጋ እዋን ብምእዋጅ፡ ነቲ ሲቪላዊን ወተሃደራዊን መራሕቲ ዘላፈነ መንግስቲ ከም ዘፍረሰ ገሊጾም። እቲ ላዕለዋይ መራሒ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ዓብደላ ሓምዶክን ካልኦት ሰብ- መዚን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታዎም’ውን ሓቢሮም።

ብመሰረት ሓበሬታ ሚኒስትሪ ዜና ሱዳን፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ዓብደላ ሓምዶክ፡ ነቲ ዝካየድ ዝነበረ ዕልዋ ምትሕብባር ስለ ዝኣበዩ’ዮም ኣብ ቀይዲ ውዒሎም።

ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ ነቲ ወተሃደራዊ ዕልዋ ኣትሪሮም ብምዅናን፡ እቲ ብኸቢድ መስዋእቲ ዝመጸ ለውጢ ክዕቀብ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ዓብደላ ሓምዶክ ዝርከቦም ላዕለዎት መራሕቲ ክፍትሑን መሰጋገሪ ቅዋም ክትግበርን ብትዊተር ኣብ ዝፈነዉዎ መልእኽቲ ኣስፊሮም።

ላዕለወይቲ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ሚሸል ባኽለት ብወገነን፡ ነቲ ዕልዋ፡ ንዅሉ ምዕባለታት ንድሕሪት ዝመልስ ኢለን ክገልጻ እንከለዋ፡ እሱራት ክፍትሑ፡ ኣገልግሎት ኢንተርነት ክምለስን ድምጺ ህዝቢ ሱዳን ክስማዕን ጸዊዐን።


ከም ጸብጻብ ልኡኽ ድምጺ ኣመሪካ ካብ ካርቱም፡ መብዛሕትኦም መንእሰያት ዝዀኑ ኣሽሓት ዜጋታት ነቲ ዝተኻየደ ዕልዋ ተቓውሞኦም ኣስሚዖምን ኰኒኖምን።

ኣገልግሎት ኢንተርነትን ካልእ መሳርሒ ርክባትን ክብተኽ እንከሎ፡ ብመንግስቲ እትውነን ረድዮ ጥራይ “ሃገራዊ” ደርፍታት ከተድርፍ ምርፋዳ ወኪል ድምጺ ኣመሪካ ካብ ካርቱም ኣመልኪቱ።

ኣብ ነሓሰ 2019 ስልጣን ቀዳማይ ሚኒስተር ዝተረከቡ ዓብደላ ሓምዶክ፡ መንግስቶም ንወተሃደራዊ ክንፊ ዘዋሰበ ደኣ ይዅን እምበር፡ ኣብ መንጎ ክልተ ሓይልታት ግን በብእዋኑ በጨቕ ዝብል ፍሕፍሕ ጸኒሑ’ዩ።

እቲ ጥርዚ እናበረኸ ምስ መጸ ድማ ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ጀሚሩ፡ ንወተሃደራዊ ምትእትታውን ዕብለላን ዝቃወም ሰለማዊ ሰልፊ ክከይድ ቀንዩ’ዩ። እቶም ሰልፈኛታት “እዛ ሃገር ሃገርና’ያ፡ መንግስትና ድማ ሲቪላዊ’ዩ” ክብል’ዮም ቀንዮም። ካልኦት ሰልፈኛታት’ውን ኣብ ቅድሚ ቤት ጽሕፈት ሚኒስተሪ ምክልኻል እታ ሃገር ኰይኖም ንላዕለዋይ መራሒ ጀነራል ኣል-ቡርሃን ነቲ ሲቪላዊ መንግስቲ ኣልዮም ናብ ወተሃደራዊ ክመልሱዎ ዝጽውዑ ቀንዮም’ዮም።

ማሕበር ሞያውያን ሱዳን፡ ኣብቲ ዝቐደመ ለውጢ መሪሕ ዝተጻወት ኣካል ኰይኑ፡ ሎሚ’ውን ብተመሳሳሊ ህዝቢ ናብ ጎደና ወጺኡ፡ ንምምላስ ሰላማዊ መንግስቲ ክጽውዕ ኣመልኪቱ።

XS
SM
MD
LG